ከተኽብርዎም ዝግባእ ሕጋጋት

ሓተትቲ ዕቝባ ሕጋጋት ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ከኽብሩ ይግባእ። 

ናብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ምስመጻእኩም፡ ሓደ ኣባል ዝዀነ ሰራሕተኛ፡ እቲ ቦታ ንጥፈታቱ ብዛዕባ ዘሰላስለሎም ኣገባባትን እቶም ከተኽብርዎም ዝግባእ ሕጋጋቱን ብዝምልከትን መብርሂ ክህበኩም እዩ። ኣብ ኵላቶም ሕጋጋት መብርሂ ዝህብ ሰነድ ክህቡኹም እዮም፦ ማለት ብዛዕባ ናይ መንበሪ ገዛ ሕጋጋት። እዚ ሰነድ እዚ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተዳለወ እዩ። እዚ ሰነድ እዚ ኣዝዩ ጠቓሚ ስለዝዀነ ንትሕዝቶኡ ብዝግባእ ከምዝተገንዘብኩሞ ርግጸኛታት ኩኑ።

ህላውነት ናይ`ዞም ሕጋጋት እዚኣቶም እቲ ቦታ እቲ ጽርየቱ ዝሓለወን ጽፉፍን ንክኸውን ሓጋዚ እዩ። ህላውነት ናይ`ዞም ሕጋጋት ውሕስነት ተቐማጦ ንኽረጋገጽ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ልዕሊ ናብኡ ዝኣትዉ ኰነ ዝወጹ ሰባት ቍጽጽር ንምግባር ሓጋዚ እዩ።

ጥርዓናት

እዞም ሕጋጋት መንበሪ ገዛ ብዛዕባ እቲ ኣብ መቐበሊ ቦታ ዘሎ ኵነታት መነባብሮ ዘይትሰማምዑ እንተዄንኩም እውን ንዓኹም ዝኸውን ሓበሬታ ኣለዎም፤ ማለት ናብ ዳይሬክ'ቲ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ዝሰርሕ ጥርዓናት ናይ ምቕባል ሓላፍነት ዘለዎ ሰራሕተኛ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ካብ'ቲ እተዓቘብኩሙሉ መቐበሊ ቦታ ብዛዕባ እተዋህበኩም መልሲ ኣይዓገብኩምን ዶ? ብመገዲ እዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ናብ ዞባዊ ሓላፊ/ዳይረክተር ናይ ፌዳሲል ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም፦ info@fedasil.be.

ብመልሲ ናይ ፌዳሲል ኣይዓገብኩምን? በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ፡ ኣንጻር መንግስቲ ውልቃዊ ጥርዓናት ናብ ዝቕበል ዘይሻራዊ ሰራሕተኛ፡ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም፦ www.federaalombudsman.be.

እገዳታት/መቕጻዕትታት

ነዞም ሓጋጋት እዚኣቶም ምስዘይተኽብርዎም፡ ዳይሬክተር ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ እገዳዊ ስጉምቲክውሰደልኩም ይኽእል እዩ። ብዛዕባ`ቲ ዝብየነልኩም መቕጻዕቲ ወይ እገዳ ምስዘይትሰማምዑ፡ ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ንእገዳዊ/መቕጻዕታዊ ስጉምትታት ከምኡ`ውን ጉዳይ ይግባይ ብዝምልከት ኣብ ሕጋጋት መንበሪ ገዛ ሕጋዊ መብርሂ ተዋሂቡዎ ኣሎ። ብወገን ናትኩም ኣሳላጢ/ት ማሕበራዊ ጉዳያት እውን መብርሂ ክወሃበኩም ዝከኣል እዩ።