ሕግታት መንበሪ ገዛ ናይ ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ

ናብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

ኣብዚ ናይ ገዛ ሕግታት (HR); ኣብቲ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኣብ እትጸንሕሉ እዋን ዝህልወኩም መሰላትን ግዴታትን ከምኡ'ውን ክኽበሩ ዘለዎም ሕግታትን ንገልጽ። ነዞም ሕግታት ምሉእ ብምሉእ ክትርድኦም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኣለዉ፥

· መንበሪ ገዛ
· መግቢ
· ዕድል ተጠቃምነት መጸራረዪ ቀረባትን ናውቲ ንጽህናን
· ቀረብ ክዳውንቲ
· ናይ ጁባ ገንዘብ
· ውልቃዊ ማሕበራዊ ሓገዝን ዕድል ተጠቃምነት ስነ-ሕጋዊ ሓገዝን
· ሕክምናውን ስነ-ልቦናውን ደገፍ

እዘም ኤች ኣር እኩብ ሕግታት ኮይኖም ንማሕበራዊ ኣነባብሮ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዝምልከቱ እዮም : ምኽንያቱ ድማ ምእንቲ ነበርትን ሰራሕተኛታትን ብዝተኻእለ መጠን ጽቡቕ ዝምድና ከዝህልዎም ንምርግጋጽ እዩ
እቶም ሕግታት ምስዞም ዝስዕቡ ዝዛመዱ እዮም፡

· ኣብ ልዕሊ ብሕትውና ሰባት ኣኽብሮት ምህላው
· ስርዓትን ህጽኣትን ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ
· ድሕነት/ውሕስነት ተቐማጦን ሰራሕተኛታትን
· ጽርየትን ጽፈትን መንበሪ ክፍልታት
· ስርዓተ-ቍጽጽር ህላውነትን ብኵራትን
· ቈጸራታት ምሓዝ
· ስርዓተ-ምጥርቓም
· ቍጽጽር ክፍልታት
· ነፍሲወከፍ ሰፋሪ ናብ ፌዳሲል ሓፈሻዊ ሓበሬታ ንምቕራብ ብዝምልከት ዘለዎ ግዴታ

እቲ ማእከል ክፉት መቐበሊ እዩ። እዚ ማለት ኣብኡ ክትጸንሐ ኣይትግደድን ኢኻ። ካብቲ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ክትወጽእ ምስ ተመሪጽ፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ብፈዳሲል ናይ ምርካብ መሰል ጥራይ እዩ ምሳኻ ዝቕጽል። ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ናይ ምጽናሕን ዘይምጽናሕን ምርጫ ንኣእቲኻዮ ዘለኻ ምልክታ ኣህጉራዊ ሓለዋ ዝትንክፎ ኣይኮንነን።
ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኣብ ትህልወሉ እዋን ዘለዉኩም ሕቶታት ንማሕበራዊ ሰራሕተኛኻ ወይ ድማ ኣብ መቐበሊ ማእከል ንዘለዉ መጽሔት ሓበሬታ ክትውከሱ ትኽእሉ።

ምምሕዳርን እቶም ሰራሕተኛታትን ምቹእ ጻኒሒት ክህልወኩም ይምነዩ።

1. እንህቦም ኣገልግሎታት

1.1 መሰረታውያን ኣገልግሎታት
ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ፡ እዞም ቀጺሎም ዝጥቀሱ - ካብ ትካል ናብ ትካል ዝፈላለዩ ኣገልግሎታት ይህብ፦
· ዕድል ተጠቃምነት ናይ መጸራረዪ ቀረባት ዘለዎ መንበሪ ቦታ
· ዕድል ተጠቃምነት ናይ ናውቲ ንጽህና
· ተኽእሎ ምሕጻብ ክዳውንትን ምውሃብ መሰረታውያን ኣልባሳትን (ልባስ)
· መግቢ ወይ ቫውቸራት ምሳሕ ድዩስ መግቢ ባዕልኻ ናይ ምዕዳግ ተኽእሎ

1.2 ብውልቂ ደረጃ ዝወሃብ ኣገልግሎት ስነ-ማዕዳ
ኵላቶም ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዝሰርሑ ሰባት ንስነ-ምግባር ብዝምልከቱ ሕጋጋት ቅዩዳት ኰይኖም፡ እዞም ሕጋጋት እዚኣቶም ከም ኣኽብሮት፡ ኣድህቦ ናብ ዓሚል፡ ዘይሻራዊነትን ውልቃዊ ውሳኔን ምስ ዝኣመሰሉ ክብርታት ዝተኣሳሰሩ እዮም።
ኣብ እዋን ጻኒሒትካ ፣ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ክግበረልካ እዩ፣ ሓበሬታ መሰላት ዝህበካ እዩ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ናብ ካልእ ኣገልግሎታት ዝመሓላለፈካ እዩ።
እዚ ሰብ እዚ ጸብጻብ ኣገደስቲ ጉዳያትካ ኣብ ሓደ ውልቃዊ ፋይል ክዕቀቦ እዩ። ካልኦት ሰራሕተኛታት መቐበሊ ማእከልና'ውን ኣብዚ ኣበርክቶ ኽገብሩ ይኽእሉ። ፋይልካ ንከተንብቦ ኩሉግዜ መሰል ኣለ ። ናብ ኻሊእ ጋሻ መቐበሊ ምስ ተቀየረ፣ ፋይልካ እዉን ናብቲ ሓዱሽ መቐበሊ ኣጋይሽ ክመሓላለፈ እዩ።
ካባና ክትጽበዮ ትከኣለ ውልቃዊ ሓገዝ እዚ ዝስዕብ እዩ።

  • ንመጀመርታ ግዜኹም ኣብ እትመጽእሉ እዋን ዝግበሩልኩም ሓገዛት፦ ናትኩም ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳያት ክረኽበኩምን ብዛዕባ ኣብ`ቲ ማእከል ክሳብ ዘለኹም ዘድልዩኹም መሰረታውያን ጠለባት ምሳኹም ክላዘብን እዩ
  • ማሕበራዊ ሓገዝ፦ ብዛዕባ ካብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ወጻኢ ዘሎ ማሕበራዊ ህይወት ዝመጸ ደገፍ ንገብርን ምኽሪ ንልግስን፤ ከምኡ`ውን ንሕግዘኩም። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ንህጻናት ኣብ ቤት-ትምህርቲ ምምዝጋብ።
  • ሓገዝ ኣብ መስርሕ ምክትታል ናይ ጉዳይ ዕቝባ፦ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ብዛዕባ መላእ መስርሕ ናይ`ዚ ጉዳይ እዚ ግቡእ ሓበሬታ ከምዝህልወኩም ክገብር እዩ። ነጻ ሕጋዊ ደገፈን ምኽሪን (ጠበቓ) ንክትረክብ ክንሕግዘካ ኢና።
  • ስልጠና፦ ብመሰረት ገለ ቅድመ-ኵነታት፡ ከምኡ`ውን ክፉት ቦታ ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ኣብ ህሉዋት ንጥፈታት ንኽትሳተፉ መሰል ኣለኩም። እቲ ማሕበራዊ ሰራሕተኛካ ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ'ዚ ክህበካ እዩ።

1.3 ሕክምናውን ስነ-ልቦናውን ደገፍ
- ንጥዕናዊ ጕድለት ብዝምልከት ዝዀነ ይኹን ስክፍታ ኣብ ዝህልወኩም እዋን፡ ሕክምናዊ ደገፍ ንኽግበረልኩም መሰል ኣለኩም።
ኣብቲ መቐበሊ ጋሻ ማእኸል ናይ ጥዕና ጋንታ እንተሃሊዮም፣ ነቶም ዉሽጣዊ ናይ ጥዕና ጋንታ ርኸብ፣ ኣድላዪ እንተኾይኑ ንሱ ደጋዊ ጥዕናዊ ምኽሪ ክውድብ እዩ። ኣብ እቶም ናይ ጥዕና ጋንታ ዘይተረኸብሉ፣እቲ ማሕበረዊ ሰራሕተኛኻ ናይ እቶም ዶክተር ምኽሪ ሓገዝ ምርካብ ከፍለጠካ እዩ።

እቲ ናይ በቲ መቐበሊ ጋሻ ማእኸል ዝተመደብልካ ዶክተር ካሊእ ዶክተር እንተደሊኻ ወይ ከዓ ኣብ ካሊእ ሆስፒታል እንተተመዝጊብካ፣ እቲ ወጻእታት ባዕልካ ከምእትኸፍሎ ክነፍልጠካ ንድሊ።
ናይ ስነልቦናዊ ሓገዝ እንተደሊኻ፣እቲ መቐበሊ ጋሻ ማእኸል ናብ በዓል ሞያታት ምኽሪ ክሰደካ እዩ፣ ካብቲ መቐበሊ ጋሻ ወይ ካብ ማእኸል ወጻኢ።

1.4 ናይ ጁባ ገንዘብ
ሰሙናዊ ገንዘባዊ ኣበል ንኽትወሃቡ መሰል ኣለኩም። መጠን ብዝሒ ናይዚ ገንዘብ ብሕጊ እዩ ዝዉሰን።
ኣብ ናይ ሓባር መቐበሊ ኣጋይሽ ብወለንታዊ ስራሕ ናይ መወሰኽታ ገንዘብ ተኽእሎ ኣሎ ፣፣ እዚ ድማ ግልጋሎት ማህበር እዩ ዝበሃል። መጠን ገንዘብ ናይ ወለንታዊ ስራሕ ከምይ ከም ዘመዓራርይ ዝዉስንዎ ማእኸል ተቐበልቲ ኣጋይሽ እዮም ዝዉስንዎ።

2. ንሓባራዊ መነባብሮ ዝምልከቱ ሕጋጋት

2.1 ብሕትውናን ህድኣትን
- ብሕታዊ ህይወትኩም ኰነ ብሕታዊ ህይወት ናይ ካልኦት ተቐማጦ ከምዝኽበር ናይ ምግባር መሰል ኣለኩም። እዚ ማለት ንስኻ ብዘይ ፍቓድ ናብ ናይ ካልኦት ኣጋይሽ ክፍሊ ክትኣቱ ኣይትክልን እይትኽልን : ከምኡ'ውን ናይ ለይቲ ናይ ዕረፍቲ ሰዓታት ክኽብር ኣለዎ ።
- ፍቓድ ወላዲ ከይተዋህበኩም፡ ብዛዕባ ብዘይ መሰነይታ ዝመጸ/ት ትሕቲ-ዕድመ ሰብ ድማ ተቘጻጻሪ ከየፍቀደልኩም፡ ትሕቲ ዕድመ ንዝዀነ/ት ሰብ ናብ ገዛኹም ኣይትዕድሙን።
- ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ህዱእ ሃዋህው ንኽፍጠር ናትኩም ተራ ትጻወቱ።
- ሕጋጋት ምብጽጻሕ ተኽብሩ፤ እቶም ዝበጽሑኹም ሰባት እውን በዞም ሕጋጋት እዚኣቶም ከምዝቕየዱ ትገብሩ። ዕላማ ናይ`ዞም ሓጋጋት ምብጽጻሕ ብሕትውናኹም ኰነ ብሕትውና ናይ`ቶም ምሳኹም ዝቕመጡ ሰባት ከምዝኽበር ምግባር እዩ።
- ኣብ ልዕሊ ውልቃዊ ንብረት ናይ ካልኦት ተቐማጦ ከምኡ`ውን ኣቝሑ ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኣኽብሮት ክህልወኩም ይግባእ። እቲ መቐበሊ ጋሻ ማእኸል ንዕንወት፡ ስርቅን ምጥፋእ ናትካ ንብረት ሓላፍነት ኣይወስድን። ንዝኮነ ይኹን ናይ ንብረት ዕንወት ናይ ካልእ ተቐማጦ ወይ ናይቲ መቐበሊ ማእከል እንተኣስዒብካ፣ ክትኸፍሎም ክትሕተት ትኽእል ኢኻ።
- ገለ ኣጋጣሚታት ክትውድቡ ኣብ እትደልዩሉ እዋን፡ ብፍላይ ድማ እዞም ኣጋጣሚታት እዚኣቶም ንሰላምን ህድኣትን ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ክዘርጉ ዝኽእሉ ምስዝዀኑ፡ ኣቐዲምኩም ንምምሕዳር ናይ ዝምልከቶ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ፍቓድ ክትሓቱ ይግባእ።
- ብሰራሕተኛታት ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ንዝወሃቡኹም መምርሒታት ከተኽብሩ ግዴታ ኣለኩም።
- ገለ ከባቢታት ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ንኽትኣትውዎም/ንኽትሓልፍዎም ክልኩላት ብዛዕባ ምዃኖም ዝመጸ ምእዙዛት ክትኰኑ ግዴታ ኣለኩም።

2.2 ድሕነት/ውሕስነት
- ንዝምልከቶም ሕጋጋት ምክልኻል ሓደጋ ሓዊ ከተኽብሩ፡ ከምኡ`ውን ፈተሽቲ ክስተት ባርዕ ሓዊ ድዩስ መከላኸሊ ባርዕ ሓዊ ዝዀኑ ንብረታት ካብ ምዕናው ክትቍጠቡ ይግባእ።
- ኣብ ልዕሊ ህንጻን ንብረትን ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዕንወት ምውራድ ይኹን ምጽያቕ ክልኩል እዩ።

ኣብ እቲ ጋሻ መቐበሊ ምኽሻን ዝተኸልከል እዩ ብዘይካ ኣብቲ እቲ መቐበሊ ጋሻ ነዚ ዘዘጋጀዮም ቦታታት።

- ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ሽጋራ ምትካኽ ብሓፈሻኡ ክልኩል ኰይኑ፡ ብፍሉይ ኣብ ዝተሓዝኡ ከባቢታት ጥራይ ይፍቀድ።
- ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ፡ ምሻጥ ድዩስ ምውናን ወይ ምጥቃም ኣልኮላዊ መስተታትን ኣደንዘዝቲ ባእታታትን ክልኩል እዩ። ኣብቲ መቀበሊ ጋሻ ማእኸል ዝኾነ ይኹን ናይ ምስካር ወይ ከዓ ዝተኸልከሉ ነገራት ምጥቓም ኣይከኣልን።
- ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ድዩስ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ሃስያ ከውርድ ዝኽእል ሓደገኛ ነገር ምሓዝ ክልኩል እዩ።
- እዞም በዞም ሕጋጋት እዚኣቶም ተኸልኪሎም ዘለዉ ንብረታት ኣብ ኢድኩም ምስዝጸንሑ ክህገሩ ተኽእሎ ኣሎ።
- ብቓል ድዩስ ብኣካላዊ ምልክት ምፍርራሕ፡ ጾታውን ጾታ-ጠቀስን ተግባራት ጐነጽ፡ ነድሪ ይኹን ኣካላዊ ጐነጽ ክልኩላት እዮም፤ ከምኡ`ውን ኣብ ልዕሊ ውልቀ-ሰባት ኰነ ጕጅለታት ኣድልዎኣዊ ወይ ዓሌታዊ ጠባይ ምንጽብራቕ።

2.3 ጽርየት
- ነታ እትነብሩላ ክፍሊ ግቡእ ምትዕርራይ ክትገብሩላን ጽርየታ ክትሕልውላን ግዴታ ኣለኩም።
- ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ቦታታት ግቡእ ኣኽብሮት ክህልወኩምን ጽርየቶም ክትሕልዉሎምን ይግባእ።
- እንስሳታት ምጥራይ ፍቑድ ኣይኰነን።

3. ንውዳበ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ብዝምልከት ዘለዉና ሕጋጋት

3.1 ሓበሬታ ናይ ምሃብ ግዴታ
ንኽንቅበለኩም መሰል ከምዘለኩም ንምርግጋጽ ዝኣክል፡ ምስ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ብዝተኣሳሰር ኣድላዪ ዘበለ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ግዴታ ኣለኩም። እዚ ማለት ድማ ብዛዕባ ዕቑባ ወይ ከዓ ካልኦት መሰላትካ ነቲ ናይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ኣብ ግዜኡ ሓበሬታ ምሃብ ። (ንኣብነት፣ካብ ናይ ስደተኛታት ወሳኒ ኣካል ዝመጸ ደብዳቤ ካብ CGVS ወይ ከዓ RVV፣ወዘተ ዝመጸ ደብዳቤ)
ዝኾነ ስራሕ ምስእትጅምር ከምኡ'ውን ኣብ ናይ ወለንታዊ ስራሕ ምስእትሳተፍ ነማሕበራዊ ሰራሕተኛካ ከተፍልጦ ኣለካ።

3.2 ገንዘባዊ ኣበርክቶ ንመቐበሊ ማእከል
ውዕል ስራሕ ከቲምኩም፡ ካብ መቐበሊ ማእከል ወጻኢ ኣብ ዝዀነ ቦታ - ገንዘብ ኣብ ዝኽፈሎ ስራሕ ምስእትዋፈሩ፡ ብዛዕባ ቅጥዕታት ናይ ኵነት ስራሕኩም ንምፍላጥ፡ ንማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ተቓላጢፍኩም ክትሕብሩ ከድልየኩም እዩ። በቲ ኣታዊኻ መሰረት፣ነቲ ናይ መቐበሊ ጋሻ ወጻኢታት ዝግበረልካ በቲ ሕጊ መሰረት ኣበርክቶ ክትገብር ኢኻ። እቶትካ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ሚስ ዚድይብ አሞ እኹል ኣታዊ ምስዝህልወካ እቲ መቐባሊ ጋሻ ግልጋሎት ክሕደግ እዩ።

3.3 ስምምዓት ምግባርን ምኽታምን
ብወገኩም ንናትኩም ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ብንጹርን ኣቐዲምኩምን ከየፍቀድኩም ካብ ማእከልና ወጻኢ ምስ ዝዀነ ትካል ኣገልግሎት ምስእትወዓዓሉ፡ ንዝዀነ ይኹን ምስ`ዚ ውዕል እዚ ዝተኣሳሰር ገንዘባዊ ወጻኢ ባዕልኹም ክትሽፍንዎ ኢኹም።

እቲ መቐበሊ ጋሻ ማእኸል ምስ ደጋዊ ወሃብቲ ኣገልግሎት (ስልጠና፣ዶክተር፣ሆስፒታል፣ወዘተ ቖጸሮ እንተሒዙልካ ኣብዚ ቖጸሮ ክትረክብ ግዴታኻ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ክትረክ (ንኣብነት ኣኼቢታትን ስልጠናታት) ግዴታ እዩ። በዚ መሰረት፣ብዛዕባ መሰረታውያን ማህበራዊ ኣገልግሎታት ኣጠቓቕሞኦምን(ሰዓት፣ናይ መጓዓዝያታት እንታይነት)እዚኦም እውን ክተኽብር ኣለካ።
ንዝወሃቡኻ ቲኬት ንዝስዕብ ክጥቅምሎም ኣለካ ንመጓዓዓዝያ : ናይ ሕክምና ምኽሪ፣ናይ ጠበቓ ምኽሪ ወዘተ ።

3.4 ወለዲ ብዛዕባ ሓላፍነቶም ዝመጸ ዘለዎም ተሓሕዛ
ከም ወላዲ/ወለዲ፡ ብዛዕባ ኣብ ትሕቲ ስድራ-ቤትኩም ዝጥርነፉ ህጻናት ወይ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ዝመጸ ክትትላዊ፡ ናይ መዕበያን ኣብ ግዴታዊ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዝሳተፉ ናይ ምግባርን ግዴታ ኣለኩም። ካብ ማእኸል መቐበሊ ጋሻ ሓገዝ እትደሊ እንተኾይካ ክወሃበካ እዩ።

3.5 ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ምህላው
ነቲ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዝወሃበኩም ቦታ ክትዕቅብዎ እንተዄንኩም፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ብስሩዕ ክትህልዉ/ክትርከቡ ይግባእ።
ኣብ ናይ ምሽት ሰዓት እንተዘይተረኺብካ፣ ነቲ መቐበሊ ጋሻ ማእከል ምምልካትን ቍጽሪ ተለፎን ገደፈ ። ድሕሪ ሰለስተ ምሸታት ብዘይ ምሕባር ፍቓድ ምትራፍ፣ካብ እቲ መቐበሊ ጋሻ ማእኸል ክተለቅቕ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት 10 ምሽት ክትተትርፍ በፍጹም የብልካን። ቡዙሕ ግዜ እንተተሪፍካ ሓገዝ ክትረክብ ኣይትኽእልን።
ሓድሽ ቦታ ኣብቲ መቐበሊ ጋሻ ማእኸል ክትረክብ እንተደሊኻ፣ኣብቲ ፈዳሲል ግልጋሎት ደብዳቤ ክትርከብ ኣለካ፣ ናይ መቀበሊ ጋሻ መሰለ እንተሃሊካ ግን፣እቲ ናይ መጽንሒ ቦታ ክወሃበካ እዩ።

3.6 ስርዓተ-ትሕጃ ንብረት
ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ንገለ ኣብ ኢድኩም ዘለዉ ንብረታት ብጊዝያውነት ኣረኪብኩሞም ንኽትጸንሑ ክሓተኩም ዝከኣል እዩ። እቲ ኣታዊ ዝኾነ ገንዘብ ካብ እቶም መቐበሊ ጋሻ ማእኸል ወይ ከዓ ካብ እቶም እቲ ኣቕሓ ዝተለቀሐሎም ትኽክለኛ ዝኾነ ዓዲ ቦታ ክምለሰልካ እዩ።

3.7 ቍጽጽራዊ ተፍትሽ መንበሪ ክፍልኹምን ውልቃዊ ኣርማድዮኹምን
ኣብ ርእሲ እቶም ኣብ እዋን ኰለላ ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ እንገብሮም ርኽበታት፡ ኣብ መዳይ ድሕነት/ውሕስነት፡ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ፡ ጽርየትን ሕጋጋት ተኽብሩ ከምዘለኹም ንምርግጋጽ፡ ከምኡ`ውን እዞም ሕጋጋት እዚኣቶም ኣብ ክፍልኹም ብፍላይ ተሓልዮም ከምዘለዉ ንምድህሳስ፡ ኣብ ክፍልታትኩም ስሩዓት ተፍትሻት ክካየዱ ተኽእሎ ኣሎ።
እቲ ናይ ፍተሻ ኩነታት ኣብ ወርሒ ክልተ ግዜ ካብ 9.00 ቅ. ቀትሪ ከምኡ ድማ 5.00 ድ. ቀትሪ ዝካየድ እዩ ዝኾአዉን። ብ ምኽንያት ምክልኻል ኣብ ዉሕስና ፣ባርዕ ሓዊ መጥፈእቲ፣ጥዕና ኩነታት ወይ ከዓ በቲ ሕጊ መሰረት ካብ እቶም ናይ ፍተሻ ሰዓታት እቲ ገዛ ክፍተሽ ይኽእል እዩ።
ኣብ እቲ ናይ ቍጽጽር ሰዓት ሙሉእ ገዛ ክፍተሽ እዩ። ኣብቲ ሰዓት እዚ ምክትታል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ ምጥሓስ ናይ እቲ ገዛ ሕጊታት እቶም ሳንዱቓት ክኽፈቱን ክፍተሹን ይኽእሉ እዮም።

እንድሕር ደኣ፣ኣብ እቲ ፍተሻ ዝተኣገዱ ነገራት ተረኺቦም (ሰንተረጅ 6.12 ተመልከት) ክዉገዱ እዮም። ናይ እቶም ዝተወገዱ ኣቑሑ ሰነድ ክስረሐሎም እዩ እቲ ቕዳሕ ድማ ክስደደልካ እዩ።
ዝተረከበ ነገር ሓደገኛ ኾይኑ እንተተረኺቡ ን ኣካላዊ ገዝ እቶም ጊዛዊ መንበሪ ኣቑሑን፣ ናብ እቶም ግልጋሎት በዓል ሞያ ክርከብ ኣለዎ።
እቲ ነገር ብ ናይ ጦና ጉዳይ ወይ ከዓ ዉሕስና ወይ መጥፈእቲ ባርዕ ሓዊ፣ካብ እቲ መቐበሊ ጋሻ ማእለል እንትለቅቕ ይምለሰልካ እዩ።
እቶም ናይ ጋሻ ዝኾኑ ዝተወገዱ ነገራት ኣብ መቐበሊ ጋሻ ማእኸል ዝለቐሉ ሰዓት እንተዘይተመሊሶምሉ ፣ኣብ ውሽጢ 10 ዝስዕቡ መዓልትታት ዝወጸለ ምርካብ ይከኣል

4. እገዳታትን ምስ ጕድለት ስነ-ምግባር ዝተኣሳሰሩ ስጉምትታትን

4.1 እገዳታት
ሕጊ ድዩስ ካብ ነጥብታት ስምምዕ ምስእተፍርሱ፡ ኣገዳዊ ስጉምቲ ክውሰደልኩም ዝከኣል እዩ። ዝኾነ ይኹኑ ካብ እቲ መቐበሊ ጋሻ ማእኸል ወጻኢ ዝተከወኑ ጥፋኣታት ነቲ መቐበሊ ጋሻ ማእከል ዝትክፍዎ እንተኮይኖም ቕጻዓታት ክህሉዉ እዮም።
እቶም ጥሕሰታት ወይ ከዓ ኩነታት ኣጠሓሕሳ ኣብ ግምት ክኣትዉ እዮም። ኣብቲ ናይ ቕጽዓት ሰዓታት ናይ መቕጻዕቲ ዝተተሓሓዘ ናይ ቃለ መሕትት ብዝመረጽካዮ ሰብ ክትረክብ ኢኻ።
እቲ መቕጻዕቲ ኩሉ ግዘ ብጽሑፍ መልክዕ እዩ ዝወሃበካ።

እቶም ዝስዕቡ መቕጻዕቲ ፡

1) ኣብ ውልቃዊ ማህደርኩም ዝሰፍር ወግዓዊ ጽሑፋዊ መጠንቀቕታ።
2) ኣብ ንጥፈታት ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ንኸይትሳተፉ ንግዚኡ ምኽልካል።
3) ገንዘብ ኣብ ዝኽፈሎ ኮማዊ ኣገልግሎት ንኸይትሳተፉ ንግዚኡ ምኽልኻል።
4) ምኽልካል ዕድል ተጠቃምነት ኣብ ገለ ኣገልግሎታት።
5) ንናይ ሓባር ረብሓ ኣገደስቲ ዝዀኑ ገለ ዕማማት ንኽትፍጽሙ ምግዳድ።
6) እንተነውሐ ንኣርባዕተ ሰሙናት ዝቕጽል፡ ከፊላዊ ወይ ምሉእ ምኽላእ ናይ ጁባ ገንዘብ።
7) ናብ ካልእ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ምቕያር/ምስግጋር።
8) ግዚያዊ ምኽልካል መሰል ተጠቃምነት ናይ`ቲ ብመገዲ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዝግበር ንዋታዊ ሓገዝ።
9) ቀዋሚ ምኽልካል መሰል ተጠቃምነት ናይ`ቲ ብመገዲ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዝግበር ንዋታዊ ሓገዝ።
እቲ መቕጻዕቲ ፍጥነታዊን ብዘይጉልቦታዊን ክኾኑ ኣለዎም። እቶም ናይ ፍተሻ ኩነታት በቶም ዳይሪክተር-ጀነራላት ፈዳሲል ኣብ ዉሽቲ ሰለስተ መዓልትታ እቲ ቕጻዓት ዘወረደሉ ክጸድቕ ኣለዎ። እቲ ዝግበር ዉሰና ካብቶም ፈጸምቲ ኣካል ወቲ ቕጻዓት መሰረት ክርከብ ይኽእል እዩ፣እዚ ድማ በቶም መቐበሊ ጋሻ ማእኸል ዝተውሃበካ ማለት እዩ።
ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ቕጽዓት ንምምይያጥ ምስ እቲ ማሕበራዊ ሰራሕተኛኻ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ።

4.2 ድሲፕሊናዊ ስጒምትታት

እቲ ትእዛዝ፣ ዉሕሳና ከምኡ እዉን ጸጥታ እቲ መቐበሊ ጋሻ ማእኸል ዘሎ ንምርግጋጽ፣ ናይ ዲስፕሊናዊ ስጒምቲ ክዉሰድ እዩ። ቅድሚ እቲ ናይ ዲስፕሊናዊ ስጒምቲ ሙዉሳድ ኣብቲ ብዝመረጽካዮ ኣካል ዝወሃበካ ቃለ መሕትት ክትስማዕ ትኽእል ኢኻ።
ዲስፕሊናዊ ስጒምትታት ዝተጽሓፉን ኣብ እቲ ማእኸል ክወጹ ዝድለዩ ነገራት እንተሃሊዮም(ን ኣብነት፡ናይ ቴሌቪዥን ኣብ ዝተወሰኑ ሰዓታት ምሸት ኣብ ከመ ምኽንያት ጥርዓን ጸገማት)እዮም።

5. ጥርዓናትን ይግባይን

ብዛዕባ እቲ ኩነታት ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደሊኻ፣እቶም ስታፋት ወይ ከዓ መቐበሊ ጋሻ ማእከል ምርካብ ትኽእል

5.1 ጥርዓን ምቕራብ
ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኵነታት መነባብሮ ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ድዩስ ብዛዕባ ትግባረ ሕጋጋት ናይ`ቲ መንበሪ ቦታ ዝመጸ ዘይዕጉባት ምስእትዀኑ፡ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ንቃልዊ ወይ ከኣ ጽሑፋዊ መሰረት ናይ ቕሬታ መልእከቲ ናብ እቲ በዓል ሞያ መቐበሊ ጋሻ ማእኸል ምቕራብ ትኽእል፣እዚ እዉን ኣብ ዉሽጢ 7 መዓልትታት ነቲ ቕሬታ ክፈትሖ እዩ። እቲ ጥርዓን ናብ ዳች፣ ፍሬንች፣ ቋንቋ ጀርመን ወይ ከኣ ኢንግሊሽ ይኣቲ።
ኣብ ዉሽጢ 7 መዓልቲ መልሲ እንተዘይረኪብካ፣እቲ ቕሬታ ብጽሑፍ መልክዕ ናብ ዳይሪክተር-ጀነራል እቶም እዚ ክሪኡ ሓላፍነት ዝተውሃቦም ምእታው ይከኣል(ነጥቢ 6.16 ረአ)።

5.2 ኣንጻር ዝተወስዱ እገዳዊ ስጉምትታት ዝቐንዐ ይግባይ
ምስ ነጥብታት 4)፡ 5)፡ 6) ወይ 7) ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሌኹም ብዛዕባ ዝተወስዱ እገዳዊ ስጉምትታት ምስዘይትሰማምዑ፡ ጉዳይኩም ዳግማይ ንኽረአ ናብ ጠቕላሊ ዳይረክተር ናይ ትካል፡ ማለት ኣብ ነጥቢ 6.16 ተጠቒስዎ ከምዘሎ - ናብ`ቲ ዝምልከቶ ሓላፊ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም፤ ኣብ LOI/ILA እትነብሩ እንተዄንኩም ድማ ናብ ቤት-ምኽሪ PCSW።
ንጥርዓንኩም ብቛንቋታት ዳች፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን እንግሊዝን ከተቕርብዎ ዝከኣል ኰይኑ፡ ንእገዳዊ ድዩስ ትእዛዛዊ ስጉምቲ ብዝምልከት ደብዳቤ ኣብ ኢድኩም ካብ ዝበጽሓሉ እዋን - ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልትታት፡ ብፖስታ ክለኣኽ ይግባእ።
ናብ እቲ መቐበሊ ጋሻ ማእኸል እቲ ቕዳሕ ብቐጥታ ስደድ። እቲ ዉሳነ ኣብ 30 መዓልታት ክፍለጥ እዩ። እቲ ቕጻዓት እቶም ዳይሪክተር-ጀነራል እቶም እዚ ክሪኡ ሓላፍነት ዝተውሃቦም ምእታው ይከኣል ኣብ 6.16 ወይ ከዓ ASCE ኮሚቴ ተዘይኣሚኖምሉ፣እቲ ቕጻዓት ንግዚኡ ክጸንሕ ኣለዎ።

5.3 ኣንጻር እቶም ንሕክምናዊ ሓገዝ ዝምልከቱ ውሳኔታት ዝቐንዐ ይግባይ
ንሕክምናዊ ሓገዝ ብዝምልከት ኣብ ዝተወስደልኩም እገዳሲ ስጉምቲ ምስዘይትሰማምዑ፡ ናብ ጠቕላሊ ዳይረክተር ናይ ትካል፡ ማለት ኣብ ነጥቢ 6.16 ተጠቒስዎ ከምዘሎ - ናብ`ቲ ዝምልከቶ ሓላፊ ጽሑፋዊ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም፤ ኣብ LOI/ILA እትነብሩ እንተዄንኩም ድማ ናብ ቤት-ምኽሪ PCSW።
ንጥርዓንኩም ብቛንቋታት ዳች፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን እንግሊዝን ከተቕርብዎ ዝከኣል ኰይኑ፡ ነቲ ውሳኔ ብዝምልከት ንዓኹም ሓበሬታ ካብ ዝተዋህበሉ ናይ ዝርርብ እዋን - ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልትታት፡ ብፖስታ ክለኣኽ ይግባእ።
ናብ እቲ መቐበሊ ጋሻ ማእኸል እቲ ቕዳሕ ብቐጥታ ስደድ። ብዛዕባ እቲ ውሳኔ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት ክሕበረኩም እዩ።