መዓስ ኢኹም ክትሰርሑ እትኽእሉ?
ደለይቲ ዕቚባ፡ ኣብ ቤልጅዩም 4 ኣዋርሕ ድሕሪ መመልከቲኦም ምቕራቦም ክሰርሑ ይኽእሉ። ልክዕ ከም ናይ ዜጋታት ቤልጅዩም፡ ተቐባልነት ዝረኸቡ ዕቑባት ስደተኛታት ሰባት ኣብ ስራሕ ንኽዋፈሩ መሰል ኣለዎም።
ደላዪ ዕቚባ ኢኻ/ኺ
እንተድኣ እቲ CGVS/CGRA ውሳነ ብዛዕባ'ቲ ናይ ዓለም-ለኻዊ ሓለዋ መመልከቲኹም ዘይሃበ ኣሎ ኾይኑ፡ 4 ኣውርሕ ድሕሪ መመልከቲኹም ንዓለም-ለኻዊ ሓለዋ ምቕራብኩም ጥራይ ኢኹም ክትሰርሑ ትኽእሉ።
- ነታ ኣራንሽዕኒ ካርድኹም ኣብ ምምሕዳር ከተማ ብምኻድ ምስኣሐደስኩማ፡ እዚ ዚስዕብ ትሕዝቶ ተጻሒፍዋ ክትርእዩ ኢኹም፦ "ዕዳጋ ዕዮ፦ ዘይድሩት"።
- ኣብ ቤልጂዩም፡ ኣብ ኵላቶም ዓውድታት ሞያ ክትዋፈሩ ትኽእሉ ኢኹም።
እዚ ኣብ ናይ ስራሕ ናይ ምውፋር መሰልኩም ንኽንደይ ዝኣክል እዋን እዩ ዝጸንሕ?
እዚ ኣብ ናይ ስራሕ ናይ ምውፋር መሰልኩም፡ ትካል CGVS/CGRA ኣብ`ቲ ዘቕረብኩሙሉ መመልከቲ ውሳኔ ክሳብ ዝህብ ዝጸንሕ እዩ። ኣብ ውሳኔ ናይ CGVS/CGRA ይግባይ ምስእትብሉ፡ እቲ ኣብ ስራሕ ንኽትዋፈሩ ዘለኩም መሰል ክሳብ ትካል RvV/CCE ነቲ ዘቕረብኩሞ ይግባይ ኣመልኪቱ ውሳኔ ዝህብ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ዝረኸብኩም ሰባት ኢኹም
እንተድኣ ናይ ስደተኛ ደረጃ ወይ ተወሳኺ ሓገዝ ረኺብኩም ዘይተደረተ ናይ ምስራሕ መሰል ኣለኩም።
![ኣብነት ናይ ኣራንሾኒ ካርድ / ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት (AI)](/sites/default/files/public/styles/paragraph_image/public/paragraphs/2020-05/oranje_kaart_nl_0.jpg?itok=fnpEczWw)
ኣብነት ናይ ኣራንሾኒ ካርድ / ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት (AI)