ጉዳይ ብሕትውናን ባዕላዊ ሕድገት መሰልን

እቲ ህሉው ኣዋጅ እዚ፡ ፌዳሲል ከመይ ገይሩ ውልቃዊ ዳታ ብዛዕባ'ቲ ፌዳሲል ሓላፍነት ዝወስደሉ መርበባት-ሓበሬታ ከምዝምስርሕ ዝገልጽ እዩ።

ምምስራሕ ውልቃዊ ዳታ

እቲ ናይ 8 ታሕሳስ 1992 በልጅማዊ ሕጊ ብዛዕባ ሓለዋ ምስጢርነት ብዛዕባ ምምስራሕ ውልቃዊ ዳታ ውሱናት መሰላት ሂቡ። እዚኦም ክሎም ንቀጥታዊ ወይ ዘይቀጥታዊ ምልላይ ሰብ ዘፍቅዱ ዳታ እዮም። ውልቃዊ ዳታ ካብ ሕጂ ንድሓር በቲ General Data Protection Regulation (GDPR, ሓፈሻዊ ሕጊ ሓለዋ ዳታ) እውን ቁጽጽር ይግበረሎም፡ ቁጽጽር (ኤውሮጳዊ ሕብረት) 2016/679 ናይቲ ኤውሮጳዊ ባይቶ ከምኡ ድማ ናይ ቆንስል 27 ሚያዝያ 2016 ብዛዕባ ሓለዋ ባህርያዊ ሰባት ንምምስራሕ ውልቃዊ ዳታንን ናጻ ምንቅስቓስ ናይ ከምኢ ዝኣመሰለ ዳታን ዝምርኮስ።

ፈዳሲል ንምምስራሕ ውላዊ ዳታኹም ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዝተኣከቡ ሓላፍነት ይወስድ ኣብዞም ዝስዕቡ www.fedasil.be, www.voluntaryreturn.be ከምኡ ድማwww.fedasilinfo.be. ነቶም ፈዳሲል ሃላፍነት ዝወስደሎም መርበባት-ሓበሬታ ብምርኣይ፡ ውልቃዊ ዳታኹም ብመሰረት ዓንቀጻት ናይቲ ህሉው ኣዋጅ ይምስርሑ ምህላዎም ትቕበሉ።

ኣብ ናይ ፈዳሲ መርበብ ሓበሬታ ውልቃዊ ዳታ ኣብ ተቕርብሉ እዋን፡ ንኣብነት ናይ ርክብ ሓበሬታ ፎርም ኣብ ትመልእሉ፡ ዳታኹም ነቲ ዝተዓለመ ናይ መወዳእታ ዕላማታትን ንጠለብኩም ብዝበለጸ ንምምላስን ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እዩ። ነዚ ዳታ'ዚ ንሳልሳይ ኣካላት ፈጺምና ኣክንህቦምን ኢና።

ፈዳሲል ትሑት ስግኣተ-ሓደጋ ነቲ ተጠቃሚ መርበብ-ሓበሬታ ዘለዎም ኩኪታት ጥራይ ይጥቀም። እዞም ኩኪታት እዚኦም ነቲ ናይ ቋንቋ ምርቻታት ንምዕቃብን ናይ ተጠቃምነት ስታትስቲክስ ስም ብዘይጠቅስ መንገዲ ንምምንጫውን ኣብ ጥቕሚ ይውዕሉ።