መዕቈቢ/መጽለሊ የድልየኩም ዶ?

ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ንኽትዕቈቡ መሰል ዶ የብልኩምን ከምኡ'ውን ክትድቅሱሉ እትኽእሉ ውሑስ ዝዀነ ቦታ/ኣከባቢ ዶ ኸ ትደልዩ ኣለኹም? ኣብ ቤልጅዩም፡ ዝተፋላለያ ንጽጉማት ሰባት ዝሕግዛን መጽለሊ ዝህባን ትካላት ኣለዋ።

እዘን ቤት-ኣልቦ ንዝዀኑ ሰባት ዝሕግዛ ትካላት እዞም ዚስዕቡ ዓይነት ኣገልግሎታት ይግባ፦

  • መደቀሲ ቦታ
  • መሕጸቢ ኣካላትን ናውቲ ጽርየትን
  • ምጥቃም መሕጸቢ ክዳን
  • መግቢ
  • ዕጹው መቐመጢ ንብረት ከብሒ
  • ደገፍ

ኣብ ቤልጂዩም፡ ቤት-ኣልቦ ዝዀኑ ሰባት ርእሶም ከውድቑሎም ዝኽእሉ ዝተፋላላዩ ቦታታት ኣለዉ። ኣብ ግዜ ሓጋይ፡ ማለት ኣብ`ቲ ኣብ ቤልጂዩም ዛሕሊ ዝለዓለሉ ወቕቲ፡ ተወሰኽቲ ቦታታት ምቕባል ኣጋይሽ ክርከቡ ዝከኣል እዩ። ኣብ ጐደና ዝነብሩ ሰባት ናብ`ዞም ቦታታት ኣትዮም ክሓድሩ ይኽእሉ።

ናበይ ከምእትኸዱ ኣይትፈልጡን?

ኣብ ከባቢኹም ናብ ዝርከብ ቦታ ናይ CPAS/OCMW ወይ CAW ኪዱ። ክሕግዙኹምን ናብ መዕቈቢ ናይ ቤት-ኣልቦ ዝዀኑ ሰባት ክመርሑኹምን እዮም።

ኣብ ብራስለስ ዝርከቡ መዕቈቢታት ናይ ቤት-ኣልቦ ዝዀኑ ሰባት

ኣብ ብራስለስ ርእስኹም እተውድቑሉ ቦታ ምስእትደልዩ፡ ናብ SamuSocialክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። መደቀሲ ቦታ ንኽሕዛኣልኩም፡ ናብ ናጻ መስመር ተሌፎን 0800/99 340 (ካብ ሰዓት 5.30ድ.ቀ. ንዳሓር) ደውሉ።

ኣካላትኩም ንኽትሕጸቡ፡ ክዳውንትኹም ንኽትሓጽቡ ወይ ጸጕሪ-ርእስኹም ንኽትቅምቀሙ፡ ናብ DoucheFLUXክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።

SamuSocial

0800 99 340 

info@samusocial.be

DoucheFLUX

Veeartsenstraat 84, 1070 Brussels

info@doucheflux.be

+32 (0)2 319 58 27

ሰሉስ > ዓርቢ 8:30ቅ.ቀ. > 5:00ድ.ቀ.

ቀዳም > ሰንበት 11:30ቅ.ቀ. > 3:00ድ.ቀ.