ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ እትነብሩ ዘለኹምን ሕክምናዊ ሓገዝ ዘድልየኩምን ኢኹም

እንተድኣ ኣብ ቤልጂዩም ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ትነብሩ ኣለኹም ኮይንኩም፡ ናብ ሓደ ውጥን መድሕን ጥዕና ክትጽንበሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 

ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ

ኣገልግሎት ሕክምናዊ ክንክን ምስዘድልየኩም፡ ካብ CPAS/OCMWህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። 

ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ እንታይ እዩ፧

  • እንተሓሚምካ ኣብ ዶክተር ምርኣይ
  • ቃንዛ ስኒ እንተልይኩም ናብ ሓኪም ስኒ ምርኣይ
  • ሕክምናዊ መርመራ ብጠለብ ዶክተር (ultrasound (ኡልትራሳውንድ), X-ray (ራጂ), scan (ምርመራ ብኮምፕዩተር))
  • ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት መጥባሕትን ጽገናን (ንኣብነት ፊዝዮተራፒ (ፍወሳ ዝለመሰ ኣካል))
  • መድሃኒት ብትእዛዝ ዶክተር

ብመሰረት መንግስቲ በልጅም ሕክምናዊ ሓገዝ ዘይኮነ እንታይ እዩ፧

  • ምግቢ
  • ክዳውንቲ
  • መንበሪ ገዛ

ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ብኸመይ ትሓትት፧

ነዞም ደረጃታት እዚኦም ስዓብዎም፥

  1. ናብቲ CPAS/OCMW ናይቲ ትቐመጥሉ ዘለኹም ምምሕዳር ከተማ ኺዱ።
  2. እቲ CPAS/OCMW ንስኻ/ኺ ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ትነብር ምሃልውኩም፡ ከምኡ'ውን ጽጉማት/ስኡናትክምርምር እዩ።
  3. እቲ CPAS/OCMW ነቶም ወጻኢታት ሕክምናዊ ሓገዝ ንምሽፋን ክሰማማዕ እዩ።
  4. ሽዑ ጥራይ እዩ ንስኻ/ኺ ናብ ዶክተር ወይ ናብ ሆስፒታል ትኸዱ።
  5. እቲ CPAS/OCMW ነቶም ሕክምናዊ ወጻኢታት ክኸፍሎም እዩ።

ንስኻትኩም መጀመርታ ንትካል CPAS/OCMW ክትሕብሩ ኣለኩም፤ ማለት ቅድሚ ሕክምናዊ ሓገዝ ምድላይኩም። እዚ ዘይክኣል እንተኾይኑ፡ ንኣብነት ኣብ እዋን ህጹጽ ኲነታት፡ እቲ ሆስፒታል ክፍሊት ካብቲ CPAS/OCMW ኣብ ክንዳኹም ኮይኑ ክሓትት ይኽእል።

 ህጹጽ ሓገዝ የድልየኩም ድዩ፡ ወይ ሓደጋ ኣንጸላልዩኩም ኣሎ ዶ?

ናብቲ ናይ ህጹጽ እዋን ቊጽሪ ተሌፎን 101 ወይ 112 ደውሉ።