ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኢኹም እትነብሩ ከምኡ'ውን ሕክምናዊ ሓገዝ የድልየኩም እዩ

ከም ሓታቲ ዕቝባ ኣብ በልጅየም፡ ሕክምናዊ ክንክን ክትረኽቡን ከምኡ'ውን ርትዓዊ ዝኾነ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ክህልወኩምን መሰል ኣለኩም። ናበይ ክትከዱ ትኽእሉ? ከምኡ'ውን እንታይ ከተስተውዕሉ ይግብኣኩም?

እንቋዕ ናብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብደሓን መጻእኩም!

ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ሓተትቲ ዕቚባ ትቕመጡ እንተለኹም፡ ዶክተር ወይ መድሃኒት ምስ ዘድልየኩም፡ ኣብቲ ማእከል ዝርከብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ቈጸራ ምሓዝ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ። 

እዚ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብዚ ዝስዕብ ንዓኻትኩም ድሉው እዩ፦

  • ሰንኪ ሕማም ወይ ድሕሪ ሓደጋ ሓገዝ ምስ እትደልዩ
  • ስነ ልቦናዊ ሓገዝ ምስ እትደልዩ
  • ሕክምናዊ ክትትል ንምግባር፣ ንኣብነት ሽኮርያ እንተሃልይኩም ወይ ድማ ጥንስቲ እንተዄንኪ
  • ኣብ ቀረባ ናብ ዘሎ ዶክተር ወይ ሆስፒታል ንምውካስ
  • ንክታበታትኩምን መድሃኒትኩምን
ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ውሽጢ'ዚ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ

ናይ ጥዕና መዝገብ

እቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ናትኩም ናይ ጥዕና መዝገብ ክሕዝ እዩ። እቲ ናይ ጥዕና መዝገብ ብዛዕባ ጥዕናኹም ዝምልከት ኩሉ ሓበሬታ ዝሕዝ እዩ። ቅዳሕ ናይ ጥዕና መዝገብኩም ክወሃበኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ በልጅየም ስርዓተ ጥዕና ብከመይ ከም ዝሰርሕ እውን ከብርሃልኩም እዩ።

እቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ናይ ሕክምና ወጻኢታትኩም ክኸፍሎ እዩ። ንገለ ናይ ሕክምና ወጻኢታት (ሆስፒታልን ፋርማሲን)፡ Fedasil ምስ CAAMI-HZIV ዝበሃል ትካል ጥዕናናይ መንግስቲ ብምትሕብባር ይሰርሕ።

ኣብ ትሕቲ ውዕል ስራሕኮይኑ መሃያ ዘለዎ ስራሕ እንተሃሊዩኩም፡ ማዕከን መድሕን ጥዕና ብምምራጽ ክትጽንበሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ቈጸራ ምሓዝ

እቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ሰዓታት ስራሕ ጥራይ እዩ ክፉት። ናብቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ምኽያድኩም፡ ኣቐዲምኩም ቈጸራ (ዕለትን ሰዓትን) ክትሕዙ ኣለኩም። 

ከምኡ'ውን ኣብ እዋን ሕክምናዊ ምኽሪ ተርጓሚ የድልየኩም እንተኾይኑ ኣፍልጡና።

ኣብ ቈጸራኹም ክትርከቡ ዘይትእኽሉ እንተዄንኩም፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ክትሕብሩና ኣለኩም። በዚ መገዲ እዚ፡ ንኻልእ ተቐማጢ/ት ክንሕግዝ ንኽእል። 

ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ የድልየኩም ዶ?

ካብቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ ህጹጽ ናይ ሕክምና ሓገዝ የድልየኩም ድዩ?

እቶም ናይ ኣጋይሽ መቐበሊ ቦታ ሰራሕተኛታት መዓልትን ለይትን ክሕግዙኹም ድሉዋት ኣለዉ። እንተድልዩ ናብ ዶክተር ወይ ሆስፒታል ክልእኩኹም እዮም።

ኣብ ንህይወት ዘስግእ ኲነታት ዲኹም ዘለኹም? ናብ ናይ ህጹጽ ሓገዝ ቍጽሪ ተሌፎን 112 ደውሉ።

መርመራ ኣብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት

ኣብ እዋን መርመራ፡ ነርስ ሕቶታት ክትሓተኩም/ክሓተኩም እያ/ዩ፡ ምናልባት እውን ክትምርምረኩም/ክምርምረኩም ትኽእል/ይኽእል እያ/ዩ። ኣብ ግዜ ምርመራ ኣብቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እትዛረቡዎ ኩሉ ነገር ምስጢራዊ ክኸውን እዩ። እቲ ዶክተርን ነርስን ምስጢር ክዕቕቡ ናይ ሞያዊ ምስጢራውነት ሓላፍነት ኣለዎም ከምኡ'ውን ብዘይ ናትኩም ፍቓድ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይከካፍሉን እዮም።

ድሕሪ ምርመራ፡ ነርስ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ ሓገዝን መድሃኒት የድልየኩም ወይስ ኣየድልየኩምን ምዃኑ ክውስን እዩ። 

እቲ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ክህልዎ እዩ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ሕቶታት ክሓተኩም፡ ክምርምረኩም ከምኡ'ውን እንተድልዩ መድሃኒት ክእዝዘልኩም እዩ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ብዛዕባ ኩሉ ዓይነት ሕማማት ኣፍልጦ ኣለዎ።

ኣብቲ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዘሎ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ወይ ነርስ ናብ ሆስፒታል ወይ ናብ ክኢላ ዶክተር ክሰዱኹም ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ውሽጢ ማእከል ንእትገብሩዎ ሕክምናዊ ምብጻሕ ከምኡ'ውን ንዘድልየኩም መድሃኒት ክፍሊት የብሉን።