ክንክን ጥዕና ካብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ

ዘድሊ እንተኾይኑ፡ ካብዚ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ወጻኢ ዝርከብ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ሕክምናዊ ክንክን ክትረኽቡ ኢኹም። እዚ ንኣብነት፡ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP)፡ ሓኪም ስኒ፡ በዓል ሞያ ፊዝዮተራፒ ወይ ክኢላ ስነ-ልቦና ክኸውን ይኽእል። 

እቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ቈጸራ ክሕዘልኩም እዩ። ባዕልኹም ምስ ካብዚ ማእከል ወጻኢ ዝርከብ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ቈጸራ ክትሕዙ እውን ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ወይ ብኦንላይን መተግበሪ ጌርኩም ክትገብሩዎ ኣለኩም። ወይ ድማ ናብቲ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ብምድዋል ክትገብሩዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ቈጸራ ምስ ካብዚ ማእከል ወጻኢ ዝርከብ ወሃቢ ክንክን ጥዕና ምስ እትሕዙ ኩሉ ግዜ ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ሓብሩ። እቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ግዜ ምርመራ ነቲ ሓኪም እትህቡዎ ናይ ክፍሊት መረጋገጺ ወረቐት ክህበኩም እዩ። እዚ ናይ ክፍሊት መረጋገጺ ወረቐት እንተሃሊዩኩም ዝኾነ ክፍሊት ኣይትኸፍሉን ኢኹም። 

ሕክምናዊ ክንክን ካብዚ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ወጻኢ

ኣብ ናይ ሕክምና ቈጸራኹም ክትርከቡ ዘይትእኽሉ እንተዄንኩም፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ክትሕብሩና ኣለኩም። እንተዘይሓቢርኩሙና፡ ነቲ ዝሓለፈ ምርመራ ባዕልኹም ክትከፍሉ ክትግደዱ ኢኹም። ከምኡ'ውን ብልክዕ ኣብ ግዜ ቈጸራኹም ምምጻእኩም ኣረጋግጹ!

ናይ ሆስፒታል ቈጸራ

ዶክተር ወይ ነርስ ብክኢላ ዶክተር ንመርመራ ወይ ኣብ ሆስፒታል ንምድቃስ ናብ ሆስፒታል ከመሓላልፉኹም እዮም።

ኣብቲ ሆስፒታል ባዕልኹም ቈጸራ ክትሕዙ እውን ይከኣል እዩ። ኣብ ሆስፒታል ቈጸራ ክትሕዙ ከለኹም፡ ኩሉ ግዜ ነቲ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዘሎ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣፍልጡ። 

ከምኡ'ውን ኣብ እዋን መርመራ ተርጓሚ የድልየኩም እንተኾይኑ ነቲ ሆስፒታል ሓብሩ።

ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ እትምዝገቡሉ መዓልቲ ናይ ዶክተር መወከሲ ደብዳቤ ከምኡ'ውን ኣራንሾኒ ካርድኹም ወይ ካልእ ናይ መንነት ሰነድ ተማልኡ። 

እቲ ሆስፒታል መጀመርታ ካብ Fedasil እቲ ዘድሊ ሕክምናዊ ክንክን ክትረኽቡ መሰል ከምዘለኩምን ዘይብልኩምን ክምርምር እዩ። ገለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ናይ መንግስቲ ኤጀንሲ ጥዕና CAAMI-HZIV ወጻኢታት ምሽፋኑ ካብ ናይ Fedasil ዶክተር ፍቓድ የድልዮ እዩ።

ብ Fedasil ድሕሪ ምፍቃዱ፡ ናይ ጥዕና ኤጀንሲ CAAMI-HZIV ኩሉ ሕክምናዊ ወጻኢታትኩም ብቐጥታ ነቲ ሆስፒታል ክኸፍልዎ እዮም። 

ናብ ሆስፒታል ምብጻሕ

ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ናይ ሆስፒታል ንህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ጥራይ እዩ ዘገልግል።

ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት እትኸዱ፡

•             ብኣምቡላንስ ምስ እትመጹ

•             ካብ ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) መወከሲ ምስ ዝወሃበኩም 

•             ኣዝዩ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ከም ዘድልየኩም ባዕልኹም ምስ እትኣምኑ

ካብ ፋርማሲ መድሃኒት ምውሳድ

ኣብ ፋርማሲ፡ እቲ ብዶክተር ዝተኣዘዘልኩም መድሃኒት ክትወስዱዎ ትኽእሉ ኢኹም። 

እቲ በዓል ሞያ ፋርማሲ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እቲ መድሃኒትን ከስዕቦ ዝኽእሉ ጎናዊ ሳዕቤናትን ክገልጸልኩም እዩ።

ናብ ፋርማሲ ክትከዱ ከለኹም ኩሉ ግዜ ናይ ዶክተር መአዘዚ ወረቐት ከምኡ እውን ኣራንሾኒ ካርድኹም ወይ ካልእ ናይ መንነት ሰነድ ሒዝኩም ኪዱ። 

እቲ በዓል ሞያ ፋርማሲ መጀመርታ ካብ Fedasil እቲ ዘድሊ ሕክምናዊ ክንክን ክትረኽቡ መሰል ከምዘለኩምን ዘይብልኩምን ክምርምር እዩ። ገለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ናይ መንግስቲ ኤጀንሲ ጥዕና CAAMI-HZIV ክፍሊት ምሽፋኑ ካብ ናይ Fedasil ዶክተር ፍቓድ የድልዮ እዩ። ድሕሪ ናይ Fedasil ፍቓድ፡ ናይ ጥዕና ኤጀንሲ CAAMI-HZIV ናይ መድሃኒት ወጻኢታት ብቐጥታ ነቲ ፋርማሲ ክኸፍልዎ እዮም። 

ከምኡ'ውን ካብ ፋርማሲ ናይ ሓኪም መአዘዚ ወረቐት ዘየድልዮም፡ ንኣብነት ከም ጸረ-ቃንዛ ዝኣመሰሉ፡ መድሃኒታት ክትገዝኡ ትኽእሉ ኢኹም። ብዘይ ናይ ሓኪም መአዘዚ ወረቐት መድሃኒት እንተገዚእኩም ግን፡ ሙሉእ ወጻኢ ባዕልኹም ክትከፍሉዎ ኢኹም።

ካብ ፋርማሲ መድሃኒት ምውሳድ

ናይ ሕክምና ፋክቱር እንተመጺእኩም ከ?

ካብ ዶክተር፡ ፋርማሲ ወይ ሆስፒታል ናይ ክፍሊት ሕቶ እንተመጺእኩም፡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኩም ኣብቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ቈጸራ ሓዙ። ኣባል ሰራሕተኛ ናይቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክሕግዘኩም እዩ።