ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ እትነብሩን ሕክምናዊ ሓገዝ ከ የድሊዩኩምን

ሓተትቲ ዕቝባ ብተሓጋግዚ ዶክተር ሓገዝ ንኽግበረሎም ሕቶ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም።

ኵነታት ጥዕናኹም ከም`ዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ዝጠልብ ምስዝኸውን፡ ናብ ነርስ ወይ ዶክተር ንኽትቀርቡ ሕቶ ከተቕርቡ ትእኽሉ ኢኹም። ኣብ ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ ዝነጥፋ ክምናዊት ጕጅለታት ስለዘለዋ፡ ምስኣተን ቈጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ መቐበሊ ቦታኹም ዶክተር ምስዘይህሉ፡ ስም ናይ`ቲ ክትረኣዩሉ እትኽእሉ ዶክተር ክሕበረኩም እዩ።

ባዕልኹም ናብ ካልእ ማለት ናብ ዝደለኹሞ ዶክተር ክትክዱ እንተዘይደሊኹም፡ ንቘጸራ ናይ ነርስ ይኹን ዶክተር እትኸፍልዎ ገንዘብ የልቦን። ብዘይ ዝዀነ ይኹን ክፍሊት ዘድልየኩም መድሃኒት እውን ክወሃበኩም እዩ። እቲ ዝርእየኩም ዶክተር፡ ብሪፈራል መልክዕ ናብ ሆስፒታል ድዩስ ናብ ካልእ ዶክተር ክሰደኩም ይኽእል እዩ።

ዶክተራትን ነርሳትን ገለ ተማሓላላፊ ሕማም (ከም ቲ.ቢ. ዝኣመሰለ) ከይህልወኩም መርመራ ይገብሩልኩም። ዘድልዩኹም ክታበታት እውን ይወሃቡኹም።

ነፍሰ-ጾር ኣዴታት፡ ቈልዑን ነኣሽቱ ህጻናትን ፍሉይ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም። ን ONE (ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረብ ክፋል ናይ`ዛ ሃገር) ወይ ን Kind & Gezin (ቋንቋ ዳች ዝዛረብ ክፋል ናይ`ዛ ሃገር) ብምውካስ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ሕክምናዊ ማህደር/ፋይል

ኵሉ ንኵነታት ጥዕናኹም ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ሕክምናዊ ማህደር እዩ ዝተሓዝ። ነዚ ናይ ሕክምና ማህደርኩም ክትርእይዎ ወይ ቅዳሕ ናይ ሰነዳትኩም ክትወስዱ ትእኽሉ ኢኹም። ናብ ካልእ መቐበሊ ቦታ ምስእትግዕዙ፡ ሕክምና ማህደርኩም ናብ`ቲ እትኸድዎ መንበሪ ቦታ እዩ ዝለኣኽ።

ሕክምናዊ ሓበሬታ ብመሰረት ሞያዊ ምስጢራውነትውሕስነት ዝተገብረሉ እዩ፦ ሕክምናውያን ጕጅለታት ብዘይ ናትኩም ፍቓድ ነዚ ሓበሬታ እዚ ናብ ካልእ ኣካል ከመሓላልፍዎ ኣይክእላን እየን፤ ማለት ንዓኹም ናይ ሞትን-ሕውየትን ኣብ ዝዀነ እዋን እንተዘይኰይኑ።