ስነ-ሕጋዊ ምኽሪ ዶ የድልየኩም ኣሎ?

ኣብ ቤልጂዩም፡ ኣብ ገሊኣቱ፡ መስርሕ ናይ'ቲ ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት (ዕቝባ) ንምርካብ ዝቐርብ መመልከቲ እተሓላለኸ እዩ። ካብ ኣሳለጥቲ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ትካል ወይ ጠበቓ ሓገዝ ንኽትረኽቡ ሕቶ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

መን ክሕግዘኩም ይኽእል?

  • እቲ ንዓኹም ዝውክል ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳያት፦ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ብግዚያውነት ትቕመጡ እንተሃሊኹም፡ እቲ ኣብ መዳይ ማሕበራዊ ጉዳያት ደገፍ ዝገብረልኩም ሰራሕተኛ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህበኩም ይኽእል'ዩ። እዚ ሰራሕተኛ እዚ (ወይ እዛ ሰራሕተኛ እዚኣ) ኣብ ፍሉይ ጉዳይ ምስ ዘተኵር ትካል ወይ ጠበቓ ከራኽበኩም ይኽእል እዩ።
  • ትካል ህዝባዊ ማእከል ማሕበራዊ ድሕነት (CPAS/OCMW) እውን ብዛዕባ መሰለትኩም ሕቶ ከተቕርቡሎም እትኽእሉ ቀወምቲ መዓልትታት ስራሕ ኣለውዎ።
  • ማሕበራት። ንሓተትቲ ዕቝባን ንዕቑባት ስደተኛታትን ብፍላይ ክሕግዝ ተባሂሉ ንዝቘመ ትካል ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ሓደ ካብ ሰራሕተኛታት ጉዳይኩም ሰሚዑ ኣብ መዳይ ሕጊ መጻእተኛታት ፍሉይ ክእለት ምስ ዘለዎ ጠበቓ ከራኽበኩም ይኽእል እዩ።
  • ጠበቓ። ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ንኽትረኽቡ ተመልክቱ እንተ ደኣ ሃሊኹም፡ ናይ ጠበቓ ሓገዝ ንኽትረኽቡ ሕቶ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ጠበቓ፡ ድሩት መጠን ኣታዊ ንዘልዎም ሰባት፡ ናጻ ኣገልግሎት እዩ ዝህብ።

ምስ ጠበቓ እትራኸቡሉ መገዲ ከመይ ይመስል?

ኣብ'ዚ 2 ኣማራጺታት ኣለዉ፦

  • ቤት-ጽሕፈት ስነ-ሕጋዊ ሓገዝ (BJB/BAJ) ክትውከሱ እሞ፡ ብዘይ ክፍሊት ኣገልግሎት ዝህበኩም ጠበቓ ክምድበልኩም ዝከኣል እዩ።
  • ነዚ ብዘይ ክፍሊት ኣገልግሎት ዝህበኩም ጠበቓ ባዕልኻትኩም ኢኹም እትውከስዎ። እዚ ጠበቓ ክሕግዘኩም እንተዀይኑ ምስ ቤት-ጽሕፈት ስነ-ሕጋዊ ውዑል ክፍርም የድልዮ።

ከመይ ዝኣመሰሉ ሰነዳት እዮም ዘድልዩኹም?

ከም መሰነይታ ዘገልግሉ ደገፍቲ ሰነዳት ክህልዉኹም ይግባእ፦

ባዕልኻትኩም ንጠበቓኹም ተወከሱ

•    ኣብ ዋሎኒያ ወይ ብራስለስ > https://avocats.be/

printscreen avocats.be
printscreen advocaat.be