ንዓኹም ዝተመደበ መቐበሊ ቦታ

መስርሕ መርመራ ናይ`ቲ ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ናይ ሕቶ ዕቝባ ክሳብ ዝዛዘም፡ ትካል ፌዳሲል መቐበሊ ቦታ ይህበኩም።

እቲ ዘቕረብኩሞ መመልከቶ ናይ ሕቶ ዕቝባ ኣብ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ መጻእተኛታትምስተመዝገበ፡ ትካል ፌዳሲል ብወገኑ መስርሕ መርመራ ናይ`ቲ ዘቕረብኩሞ መመልከቲ ናይ ሕቶ ዕቝባ ክሳብ ዝዛዘም መቐበሊ ቦታ ክትረኽቡ ከምእትኽእሉን ከምዘትኽእሉን ክፍትሽ እዩ።

  • ኣብ መዕቈቢ ቦታ ንኽትቅመጡ መሰል ዘይብልኩም ምስእትዀኑ፡ ካብ`ቲ ናይ ፈለማ ማእከል መቐበሊ መጻእተኛታት ክትወጹ ይግባእ። ዋላ እውን ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ትቕመጡ እንተዘይሃሊኹም፡ ትካል ፌዳሲል ንዘለኩም መሰል ሕክምናዊ ሓገዝ ንኽትጥቀሙሉ ዝመክርመብርሂ ክህበኩም እዩ።
  • ኣብ መዕቈቢ ቦታ ንኽትቅመጡ መሰል ምስዝህልወኩም፡ ትካል ፌዳሲል መቐበሊ ቦታክህበኩም እዩ፦ እዚ ቦታ እዚ፡ ከም ልሙድ፡ ብፌዳሲል ወይ ብማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝካየድ መዕቈቢ ማእከል እዩ።
ናብ መቐበሊ ቦታ ምምጻእ

ምርጫ መቐበሊ ቦታ

ትካል ፌዳሲል መቐበሊ ማእከል ክመርጸልኩም እንከሎ፡ ኣብ`ቲ እዋን እቲ ክርከቡ ንዝኽእሉ ዓራውቲ ከምኡ`ውን ንኵነታትኩም ንህሉው ኵነታትኩም (ብዝሒ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም፡ ኵነታት ጥዕኹም ወዘተ) እዩ ኣብ ግምት ዘእቱ።

መቐበሊ ቦታ ኣየድልየኩምን ዶ እዩ?

ግዴታዊ ኣይኰነን። ነቲ ፈዳሲል ዝህበካ መቐበሊ ቦታ ንኸይትቕበልዎ ክትውስኑ ትኽእሉ ኢኹም፡ ንኣብነት ኣብ ቤልጂዩም ምስኦም ንኸጸግዑኹም ፍቓደኛታት ዝኾኑ ፈተውቲ ምስዝህልዉኹም። ከምኡ ምስዝኸውን፡ ትካል ፌዳሲል ኣብ መዳይ ሕክምናዊ ሓገዝ ጥራይ እዩ ክተሓባበረኩም።

ብዛዕባ ኣብ መቐበሊ ቦታ ዘሎ ኵነታት ወይ ሃዋህው ሕጉሳት ዶ ኣይኰንኩምን?

ጥርዓንንኸተቕርቡ መሰል ኣለኩም። ብዛዕባ'ዚ፡ መጀመርታ ምስ ናትኩም ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳያትን ተዛራረቡ።