መስርሕ ምቕባል ሓተትቲ ዕቝባ

ሓተትቲ ዕቝባ እቲ ንዕቝባ ዝምልከት መመልከቲኦም ኣብ ዝምርመረሉ እዋን ኣብ መቐበሊ ቦታ ክጸንሑ ዝከኣል እዩ።

ትካል ፌዳሲል እቲ ብዛዕባ ጉዳይ ምቕባል ኣቕረብቲ መመልከቲ ናይ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባሓላፍነት ዝስከም ኣካል እዩ።

ትካል ፌዳሲል ብዛዕባ ጉዳይ ምቕባል መጻእተኛታት ጥራይ እዩ ሓላፍነት ዝወስድ፦ ብዛዕባ እተቕርብዎ መመልከቲ ናይ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ውሳኔ ኣይህብን እዩ። ናይ ሓለዋ መመልከቲኹም ብኻልእ ኣካላት ይምርመር እዩ፥ እቲ ቤት-ጽሕፈት ኤሚግረሽን ምኡ ድማ እቲCGVS/CGRA

ትካል ፌዳሲልን መሻርኽቱን

ትካል ፌዳሲል ንዅላቶም ቦታታት መቕባል ኣጋይሽ ሓላፍነት ይወስደሎም፦ ሓባራዊ መነባብሮ ዘለዎም ማእከላትን ናይ ውልቂ መንበሪ ቦታታትን።

ከም መትከል፡ ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ መጀመርታ ናብ ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ ኣትዮም እዮም ዝዕቈቡ። ኣብ በልጅም ዝተፈላለዩ መቐበሊ ማእከላት ኣለዉ። እዞም ማእከላት እዚኣቶም ብትካል ፌዳሲል ወይ መሻርኽቱ ብዝዀና ማሕበራት (ቀይሕ-መስቀል፡ ካሪታስ ኢንተርናሽናል ወዘተ) እዮም ዝካየዱ።

ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ናይ ውልቂ መንበሪ ቦታታት ከምዝዕቈቡ እውን ይግበር እዩ። ብትካል ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ሓውሲ-ከተማ ወይ ገጠር (the CPAS/OCMW) ዝካየዱ ኣቝሑ ገዛ ዘለዎም ነኣሽቱ ኣፓርታማታት ኣለዉ።