ናብ ቤት-ትምህርቲ ዝኸዱ/ትምህርቲ ዝከታተሉ ቆልዑ

ኣብ ቤልጂዩም ነፍስ ወከፍ ቆልዓ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸይድ ይኽእል እዩ - ዜግነቱ ወይ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኲነታቱ ብዘየገድስ። ኣብ ቤልጂዩም፡ ናብ ቤት-ትምህርቲ ምኻድ ንኽሎም ዕድሚኦም ካብ 5 ክሳብ 18 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑ ግዴታ እዩ።

ኣብያተ-ትምህርቲ መኣስ እየን ክፉታት፧

ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘለዉ መዓልትታት ንጥፈታት እናኣሰላሰላ፡ ካብ 1 መስከረም ክሳብ 30 ሰነክፉታት ኰይነን ይቕጽላ።

  • በብዛሕትኡ ግዜ ትምህርቲ 8.30ቅ.ቀ ይጅምር ኣብ መንጎ 3ድ.ቀ ከምኡ'ውን 5ድ.ቀ ድማ ይውድእ።
  • ወትሩ ረቡዕ ትምህርቲ ሰዓት 12ድ.ቀ ይውድእ።
  • ቀዳመ ሰናብቲ ትምህርቲ የለን።
ተማሃሮ ኣብ ክፍሊ

ናይ ቤት-ትምህርቲ በዓላት

ኣብ ዓመት 4 ግዜ ናይ ቤት-ትምህርቲ በዓላት ኣሎ፥ ኣብዚ እዋናት'ዚ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ በልጅም ዕጹዋት እየን፥

  • ናይ ቀውዒ በዓል (1 ሰሙን)
  • በዓል ልደት (2 ሰሙናት)
  • ናይ ጽድያ ፍርቂ ዓመት (1 ሰሙን)
  • ናይ ፋሲካ በዓል (2 ሰሙናት)

ከምኡ'ውን ኣብ ሃገራዊ በዓላት ትምህርቲ የለን።

ቆልዓኹም ኣብ ቤት-ትምህርቲ ምምዝጋብ

  • ኦድሚኦም ኣብ መንጎ 3 ከምኡ ድማ 5 ዝኾኑ ዘይበልጅማውያን ቆልዑ ካብ መጀመርታ መዓልቶም ኣትሒዞም ኣብ በልጅም ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ይኽእሉ።
  • ኣብ መንጎ 5 ከምኡ ድማ 18 ዕድመ ዘለዉ ቆልዑ ኣብቲ ምምሕዳር ድሕሪ ምምዝጋቦም እንተደንጎየ ድሕሪ 2 ኣዋርሕ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ክምዝገቡ ኣለዎም።
  • ኣብ በልጅም ዋላ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ቆልዑ'ውን ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ይኽእሉ። እቲ ቤት-ትምህርቲ ክነጽጎም ኣይፍቀደሉን እዩ።

ናይ ቤት-ትምህርቲ ቋንቋ፥ ቋንቋ ሆላንድ ወይ ፈረንሳ

ብቋንቋ ዳች ወይ ፈረንሳ ዝዛረቡ ወይ ምልከት ናይ`ዞም ቋንቋታት ዝጐድሎም ተማሃሮ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኰይኖም ምስ ኵነታቶም ዝኸይድ ዓይነት ትምህርቲ ንኽወስዱ መሰል ኣለዎም፦ መቐበሊ ናይ ቅድመ-ትምህርቲ ደባት ትምህርቲ ወይ መደባት ትምህርቲ 'OKAN'፡ መቐበሊ ናይ ትምህርቲ ደባት - ነቶም ቋንቋ ኣዲኦም ዘይኰነ። እኹል ምልክት ናይቲ ቛንቋ ኣብ ዝሓዝሉ እዋን፡ ንሳቶም ናብቲ ንቡር ትምህርቲ ይቕጽሉ።

  • ኣብ Flanders (ፍላንደርስ) ትነብሩ እንተኾይንኩም፡ ደቅኹም ብቛንቋ ሆላንድ ኣብ ዝምህር ቤት-ትምህርቲ ክኣትዉ እዮም።
  • ኣብ Wallonia (ዋሎንያ) ትነብሩ እንተኾይንኩም፡ ደቅኹም ብቛንቋ ፈረንሳ ትምህርቶም ክከታተሉ እዮም።
  • ኣብ ብራስለስ ትነብሩ እንተኾይንኩም፡ ደቅኹም ብቛንቋ ሆላንድ ወይ ፈረንሳ ትምህርቶም ክከታተሉ ንይኽእሉ እዮም።

ናይ ቤት-ትምህርቲ ወጻኢታት

ትምህርቲ ካብ መውዓሊ ህጻናት ክሳብ 18 ዕድመ ብናጻ እዩ። ይኹን እምበር ገለ ተወሳኺ ወጻኢታት ክትከፍሉ የድልየኩም፥ ናይ ቤት-ትምህርቲ ምግብታት፡ ናይ ቤት-ትምህርቲ ዙረታት፡ ወዘተ። እንተድኣ ንስኻ/ኺ ኣብ መቐበሊ ማእከልe ትቕመጡ ኣለኹም ኮይንኩም Fedasil ነቶም ናይ ቤት-ትምህርቲ ወጻኢታት ክኸፍለልኩም እዩ። ወጻኢታትኩም ኣብ ምሽፋን ምስእትጽገሙ፡ ኣበል ትምህርቲ ንክኽፈለኩም መመልከቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ሕቶታት ብዛዕባ ቤት-ትምህርቲ፧

  • ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ትምህርቲ ዝመጸ - ሕቶ ንዘለዎም ንወለዲ ኰነ ንህጻናት ከማኽር ዝኽእል ክኢላ ስነ-ማዕዳ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ምስ ናትካ/ኪ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ተዘራረብ/ቢ።
  • ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ምስቲ መምህር ቆጸራ ክትሕዙ ትኽእሉ ኢኹም። ዝኾነ ቋንቋ ሆላንድ ወይ ፈረንሳ ዘይትዛረቡ እንተኾንኩም'ከ፧ ምትርጓም ክሕግዘኩም ዝኽእል ዓርኪ ወይ ኣባል ስድራቤት ሕተቱ።