ዘይስሩዕ ምጽናሕ/ጻንሖት

እንተድኣ ብቑዕ መንበሪ ወረቐት ዘይብልኩም ኮይንኩም፡ ንስኹም ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ኣብ ቤልጂዩም ትነብሩ ኣለኹም ማለት'ዩ። ካብ መንግስቲ ዝኾነ ደገፍ ኣይትረኽቡን ኢኹም፣ ክትሰርሑ ድማ ኣይፍቀደልኩምን እዩ።

ዝኾነ ደገፍ ኣይትረኽቡን ኢኹም

ኣብ ቤልጂዩም ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ትቕመጡ እንተሃሊኹም፡ ሽዑ ካብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ወይ ካብ መንበሪ ቦታ ናይ CPAS/OCMW ክትወጹ ኣለኩም። ስለዚ ብትካል ፌዳሲል ኣቀባብላ ንኽግበረልኩም ኰነ ካብ ትካል CPAS/OCMWሓገዝ ንኽትረኽቡ መሰል የብልኩምን። ከምኡ'ውን ክትሰርሑ ኣይፍቀደልኩምን እዩ። ኣብ በልጅም ብዘይ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ምህላው ክልኩል እዩ።

 ካብ ክሊ-ግዝኣት ክትወጹ  ብ Immigration Office (ቤት-ጽሕፈት ኤሚግረሽን) ትእዛዝ እንተተቐቢልኩም ሽዑ ንስኻትኩም ካብ በልጅም ክትወጹ ኣለኩም ማለት'ዩ። ነዚ ንምግባር ብሓፈሻ 30 መዓልታት ኣለዋኹም።

እንተዘይወጺእኩም፡ ቤት-ጽሕፈት ኤሚግረሽን ናብ ሓደ ማእከል ቀይዲ/ቤት-ማሕቡስ ከሰጋግረኩምን ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ከምእትምለሱ ክገብርን ተኽእሎ ኣሎ።

መሰላትኩም እንታይ እዮም፧

  • ቆልዑኹም ናይ ትምህርቲ መሰል ኣለዎም፡ ስለዚ ንሳቶም ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ይክእሉ እዮም።
  • መሰል ናይ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ (ዶክተር) ኣለኩም።
  • መሰል ተጠቃምነት ናይ ስነ-ሕጋዊ ሓገዝ (ጠበቓ) ኣለኩም።

ቀጻልነት ዘለዎ መጻኢ ምምራጽ

ሰለስተ ኣማራጺታት ኣለዉኹም፥

  • ናብ መበቆል ሃገርኩም ንምምላስ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።
  • ኣብ በልጅም ብሕጋዊ መንገዲ ንምንባር ነቶም ስጉምትታት ትወስድዎም። 
  • ብሕጋዊ መንገዲ ክትነብርሉ ናብ ትኽእሉ ካልእ ሃገር ጉዕዞኹም ትቕጽሉ።

ብዛዕባ ንኣኹምን ንስድራቤትኩምን ዝበለጸ ዝኾነ ኣማራጺ ብጥንቃቐ ሕሰቡ፡ ንቐጻልነት ዘለዎ መጻኢ። ብዛዕባ'ዚ ምስ ናትኩም ማሕበራዊ ሰራሕተኛን ጠበቓን ተዘራረቡ። ንሳቶም ክመኽርኹም ይኽእሉ እዮም።