ፈትሹ/ድለዩ
ፕሮግራም ማሕበራዊ ውህደት
ኣብ ቤልጂዩም ፍቓድ ነባርነት እንተረኺብኩም፡ ፕሮግራም ማሕበራዊ ውህደት ክትከታተሉ ትኽእሉ ኢኹም፤ ኣብ ገሊኡ እዋን ድማ ምክትታሉ ግዴታዊ ይኸውን። ብዛዕባ ኵነታት መነባብሮ፡ ስራሕን ትምህርትን ናይ ሃገረ-ቤልጂዩም ፍልጠት እትቐስሙሉ ስልጠና እዩ። ንዘለዉኹም መሰላትን ግዴታታትን ብዝምልከት ሓበሬታ ትሰንቁሉ። ነዚ ስልጠና ናይ ማሕበራዊ ውህደት፡ ብቛንቋታት ዳች/ፈረንሳ ወይ ብኻልእ ቋንቋ ክትከታተልዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ሞያዊ ምስጢራውነት
ዕቃበ ሞያዊ ምስጢራውነት ዘድልዮም ገለ ሞያታት ኣለዉ። እዚ ድማ፡ ኣብ'ዞም ሞያታት እዚኣቶም፡ ነቶም ኣብ መስርሕ ዕዮ ዝዝረበሎም ሓበሬታታት ንኻልእ ኣካል ምሕባር ፍቑድ ኣይኰነን ማለት እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ፡ ንዶክተርራት፡ ንሰብ-ሞያ ፋርማሲን ኣሳለጥቲ ማሕበራዊ ጉዳያትን ዝምልከት እዩ። ሞያዊ ምስጢራውነት ክኽበረሎም ዘይክእል ገለ እዋን ኣለዉ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ህጹጽ ሓገዝ ኣብ ዝደልየሉ ኵነታት ምስዝወድቕ።
ሕጋጋት መንበሪ ገዛ
መሰላትን ግዴታታትን ናይ ነፍሲወከፍ ተቐማጢ ኣብ ጋጋት መንበሪ ገዛ ናይ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ሰፊሮም ኣለዉ።
ተቐማጢ
ኣብ ማእከልመቐበሊ ኣጋይሽ ዝነብር ሰብ።
ንመትከል እግሪ ዝወሃብ መተባብዒ ገንዘብ
ንገዛኹም ኣቝሑ ገዛ ንኽትገብሩሉ ዝወሃበኩም ድምራዊ ገንዘብ። እዚ ገንዘብ እዚ ንብረት ገዛ (ዓራት፡ ጣውላ፡ ፍሪጅ ወዘተ) ንምግዛእ ወይ ድማ ወጻኢታት ናይ መስመራት ኣገልግሎት (ጋዝ፡ ኤሌክትሪክ ወዘተ) ንምሽፋን ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም።
እዚ ንመትከል እግሪ ዝወሃብ መተባብዒ ገንዘብ፡ ብትካል CPAS/OCMW እዩ ዝምደብ።
RIZIV / INAMI
ሃገራዊ ኢንስቲትዩት መድሕን ሕማምን ስንክልናን ናይ ቤልጂዩም፡ ሓላፍነት ማሕበራዊ ድሕነት ዝተሰከመ ህዝባዊ ትካል እዩ።
ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት/ዕቝባ
ዕቝባ። ንሓደ ፖለቲካዊ ዕቝባ ደልዩ ካብ ናይ መበቆል ሃገሩ ዝወጸ ሰብ፡ ብሓንቲ ሃገር ዝወሃቦ ውሕስነት።
ዘይሕጋዊ ምጕዕዓዝ ሰብ
ዘይሕጋዊ ምጕዕዓዝ ሰብ፡ ከም ዘበናዊ መልክዕ ናይ ጊልያነት ዝቝጸር ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ብዙሕ-ዝመልክዑ ምዝመዛ ዝፍጸመሉ እዩ። ጾታዊ ምዝመዛ (ዝበዝሕ ግዜ ከም ኣካል ምንዝርና)፡ ከምኡ`ውን ቍጠባዊ ምዝመዛ (በመልክዕ ዕዮ)፡ እቶም ዘሰክፉ ነጥብታቱ እዮም
ኮሮና-ቫይረስ
ኮሮና-ቫይረስ ምስ ጉንፋዕ ኣዝዩ ዝመሳሰል ሕማም እዩ። እዚ ቫይረስ እዚ ብሰዓልን ረስንን ዝተሰነየ ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ሕማም የስዕብ። መብዛሕትኦም በዚ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ይሓውዩ እዮም። ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ከምኡውን ናይ ሳንቡእ፡ ናይ ልቢ ወይ ድማ ናይ ኮላሊት ጸገማት ንዘለዎም ሰባት፡ እዚ ቫይረስ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል።
ናብ ማእከል እኩባት ሰባት ምእታው ኣወግዱ
ኵላቶም ምትእኽኻባት ናይ ኣባላት ሓንቲ ስድራ-ቤት (ቈመና) ዘይኰኑ ካብ 2 ንላዕሊ ዝቝጽሮም ሰባት ክልኩላት እዮም።
ሓተትቲ ዕቝባ ክዳውንትን ናውቲ ጽርየትን (ሳሙና፡ መጽረዪ ስኒ ወዘተ) ይወሃቡ።
ና ይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐትኩም ተቐባልነት ከምዝረክብ ንኽትገብሩ
ደለይቲ ዕቚባ፡ ኣብ ቤልጅዩም 4 ኣዋርሕ ድሕሪ መመልከቲኦም ምቕራቦም ክሰርሑ ይኽእሉ። ልክዕ ከም ናይ ዜጋታት ቤልጅዩም፡ ተቐባልነት ዝረኸቡ ዕቑባት ስደተኛታት ሰባት ኣብ ስራሕ ንኽዋፈሩ መሰል ኣለዎም።
ጉዳይ ሕቶ ዕቝባኹም ኣብ መስርሕ እንከሎ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትገሹ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ሓንሳብ ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ምስረኸብኩም፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትገሹ ትኽእሉ ኢኹም፤ መገሻኹም ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ክኸውን ግን ኣይግባእን።
ኣብ ቤልጅዩም መድሕን ጥዕናምውጻእ ግዴታዊ እዩ። ምስእትሓሙ፡ ማዕከን መድሕን ጥዕና ንዝበዝሕ ክፋል ወጻኢታት ናይ ሕክምናኹም ይሽፍኖ እዩ። ብምኽንያት ሕማም ዓዲ ምስእትውዕሉ፡ ኣምሳያ ደሞዝኩም ገንዘባዊ መሕወዪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ንስኻ/ኺ ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ተዋሂቡካ ኣሎ ወይ ተወሳኺ ሓለዋ ተዋሂቡካ ኣሎ - ከም ከምኡ ድማ ስድራቤትካ ናብ ቤልጂዩም ክመጹ ደሊኻ ኣለኻ። እዚ ይክኣል እዩ፣ ግን ብዙሓት ጽኑዓት ሕግታት ኣለዉ። ቅድሚ ናይ ጥርናፈ ስድራቤት መመልከቲ ምእታውካ፡ ሕጋዊ ምኽሪ ሕተት።