ንሰባት ሰላምታ ምቕራብ

ኣብ በልጅዩም ንሓደ ሰብ ብኸመይ ሰላም ትብሎ?

ዓይኒ ንዓይኒ ጠምትዎ(ዋ)

ኣብ በልጅም ዓይኒ ንዓይኒ ምጥምማት ናይ ስነ-ስሮዓት ምልክት እዩ።

ርሕቀትኩም ሓልዉ

ኣመና ናብ ሰባት ቀሪብኩም ደው ኣይትበሉ። ኣብ በልጅም፡ ካብ ሓደ ሰብ ከባቢ 1 ሜትሮ ርሒቕካ ደው ምባል ልሙድ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ እንተቐሪብኩም፡ እቲ ካልእ ሰብ እዚ ሃዳዲ ወይ ወራሪ ኮይኑ ክረኽቦ ይኽእል እዩ።

ከምኡ'ውን ኣብ ሪጋታት፡ ናብ ካልእ ሰባት ኣመና ቐሪብኩም ደው ክትብሉ የብልኩምን።

ሕግታት ኮሮናቫይረስ
ገዛእ ርእስኹምን ካልኦት ሰባትን ካብ ኮሮናቫይረስ ተኸላኸሉ፥ ናይ 1.5 ሜትሮ ርሕቀት ሓልዉ፡ ንካልኦት ሰባት ኣይትተንክፉ ኣብ ውሑስ ርህቀት ክትሕልውሉ ዘይትኽእሉ ቦታ ከኣ ማስኬራ ግበሩ።

ንሰባት ሰላምታ ምቕራብ