ናብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ንምእታው ተመዝገቡ

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ድሕሪ ምምዝጋብኩም ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ምስዘይወሃበኩም፡ ስምኩም ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ሰፊሩ ከምዝጸንሕ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ቦታ ክሳብ ዝወሃበኩም፡ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ስነ-ሕጋዊ ሓገዝን ናይ ምዃን መሰል ኣለኩም።

እቲ ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት (ዕቝባ) ንምርካብ ናብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን እተቕርብዎ መመልከቲ ምስተመዝገበ፡ ትካል ፌዳሲል፡ ከም ንቡር፡ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ክትወሃቡ ከምእትኽእሉን ከምዘይትኽእሉን እዩ ዝፍትሽ።

ፌዳሲል፡ ብሰንኪ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ዘጋጥም ጽበት ቦታ፡ ነቲ ኣብኡ ቦታ ንኽወሃበኩም ዘቕረብኩሞ ሕቶ  ዘይክምርምሮ ይኽእል እዩ። ቀዳምነት ንህጻናት፡ ንደቀ'ንስትዮን ኣብ ኵነተ-ተኣፋፊነት ንዝርከቡ ሰባትን እዩ ዝወሃብ።

ስምኩም ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ሰፊሩ ከምዝጸንሕ ግበሩ
ቦታ ክሳብ ዝወሃበኩም፡ ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ናይ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ፌዳሲል፡ ነቲ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ንኽወሃበኩም ዘቕረብኩሞ ሕቶ ድሕሪ ምምርማር፡ ንዓኹም ዝኸውን ቦታ እንተተረኺቡ፡ ብኢ-መይል ክሕብረኩም እዩ።

ክፍሊት ሕክምናዊ ወጻኢታት
ዶክተር (ብዘይ ክፍሊት) ሕክምናዊ ሓገዝ ንኽገብረልኩም እውን መሰል ኣለኩም።

ናብ ዶክተር ድዩስ ናብ ሆስፒታል ወይ ናብ በዓል-ሞያ ፋርማሲ ንኽትቀርቡ ሒደት መዓልትታት ምስተረፋኹም፡ ብወገንኩም (ወይ ድማ ብወገን ዶክተርኩም) ብቅጥዒ ሕክምናዊ ወጻኢታት እተሰነየ ጠለብ ሓገዝ ናብ ፌዳሲል ክቐርብ ይግባእ። 

ስነ-ሕጋዊ ሓገዝ/ጠበቓ
ካብ ትካል ይኹን ውልቀ-ጠበቓ ስነ-ሕጋዊ ሓገዝ ንኽግበረልኩም እውን ሕቶ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ድሩት መጠን ኣታዊ ንዘለዎም ሰባት፡ ናይ ኣገልግሎት ጠበቓ ሓገዝ ካብ ገንዘባዊ ክፍሊት ናጻ እዩ።

ኣብ ዞባኹም ንዝርከብ ቤት-ጽሕፈት ስነ-ሕጋዊ ሓገዝ (BJB/BAJ) ተወከሱ። ብናጻ ዝሰርሕ ጠበቓ ክምድቡልኩም እዮም።

ናይ ህጹጽ ሓገዝ መዕቈቢ ናይ ብራስለስ
ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ክሳብ ዝወሃበኩም፡ መጽለሊ ክትረኽቡ ህጹጽን ዘይስገርን ጉዳይ ድዩ? ናብ ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ብራስለስ ዝርከቡ ናይ ህጹጽ ሓገዝ መዕቈቢታት ክትክዱ ትኽእሉ ኢኹም።

Fedasil Info Point

ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ብዝምልከት ናብ Fedasil Info Point (ነቝጣ ሓበሬታ ፌዳሲል)፡ መጺእኩም ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም፦ብዛዕባ ስነ-ሕጋዊ ጉዳያት፡ መስርሕ ሕቶ ዕቝባኹም፡ ስራሕ፡ ትምህርትን ስልጠናን፡ ምምሕዳራዊ መስርሓት፡ ናብ ሃገረ-መበቆል ናይ ምምላስ ሓገዝ፡ ሕክምናውን ስነ-ልቦናውን ሓገዝ፡ ከምኡ'ውን ነገራዊ ሓገዝ።

ናብኡ ኬድኩም፡ መቐበሊ ቦታ ንኽወሃበኩም ሕቶ ከተቕርቡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ቦታ ንምርካብ ስምኩም ኣብ መዝገብ ተጸበይቲ ናይ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ከምዝምዝገብ ክትገብሩ እዩ ዝግባእ

Info Point Fedasil (ነቝጣ ሓበሬታ ፌዳሲል)

ዝኽፈተሉ ሰዓታት

ሰኑይ     ካብ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. - 12:00 ድ.ቀ.

ሰሉስ    ካብ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. - 12:00 ድ.ቀ.

ረቡዕ      ዕጹው 

ሓሙስ    ካብ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. - 12:00 ድ.ቀ.

ዓርቢ    ካብ ሰዓት 9:00 ቅ.ቀ. - 12:00 ድ.ቀ.

ቀዳም          ዕጹው

ሰንበት            ዕጹው

ኣድራሻ፦

ህጽጽ ሕክምናዊ ሓገዝ

ህጽጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ክግበረልኩም የድሊ ዶ? ናብ ነRefugee Medical Point ናይ ብራስለስ ኪዱ። እቶም ኣብ'ቲ ቦታ እቲ ዝነጥፉ ዶክተራት፡ ነርሳትን ኢላታት ስነ-ልቦናን ጥዕናዊ ጸገማትኩም ኣብ ምፍታሕ ክተሓጋገዙኹም እዮም።

ዝኽፈተሎም ሰዓታት፦
ሰኑይ፡       ካብ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ.
ሰሉስ፡      ካብ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ.
ረቡዕ፡ ካብ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ.
ሓሙስ፡     ካብ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ.
ዓርቢ፡          ካብ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ.
ቀዳም፡          ዕጹው
ሰንበት፡            ዕጹው
ኣድራሻBoulevard de Waterloo 125, 1000 Brussels