መዝገብ ዝርዝር ትርጉም ቃላት

ሕጋዊ/ት መጕዚት

ብመሰረት ውሳኔ ቤት-ፍርዲ ወይ ትካል ከባብያዊ ምምሕዳር፡ ሓላፍነት ምእላይ ናይ ትሕቲ-ዕድመ ዝዀነ መንእሰይ ወይ ህጻን ዝተሰከመ/ት ሰብ። ከም ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት መጠን፡ ንምምሕዳራዊ መገዲ ሕጋዊ/ት መጕዚት ክ(ት)ምደበልኩም እዩ/ያ። ሕጋዊ/ት መጕዚት ኣብ ዝተፈላለዩ ዕማማትኩም/ክን ክተሓጋገዘኩም/ክትተሓጋገዘክን እዩ/ያ።