ክታበት ኮሮና ቫይረስ

ተኸተብ። እቲ ክታበት ንዓኻን ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባትን ካብ ኮሮና ቫይረስ ይከላኸለልኩም ከምኡውን ብናጻ ዝወሃብ እዩ።

ክታበት ኮቪድ-19

ክታበት ብኸመይ እዩ ዚሰርሕ፧

  • እቲ ክታበት ንሰብነትካ ጸረ-ነብሳት ከም ዝሰርሕ ይገብሮ። 
  • እዞም ጸረ-ነብሳት እዚኣቶም ነቲ ቫይረስ ንምቅላስ ዝሕግዙ ኢዮም። 
  • ድሕሪኡ ነቲ ቫይረስ እንተ ተቓሊዕካ እቶም ጸረ-ነፍሳት ክከላኸሉልካ እዮም። 

እዞም ክታበታት ውሑሳት ድዮም? 

እዞም ክታበታት ውሑሳት እዮም። እዞም ክታበታት ከኣ ን ጽኑዕ ጠለባት ናይ ኤውሮጳዊ ናይ መድሃኒታት ወኪል (EMA) የማልእ እይ ከምኡከኣ ብ ናጻ ኣካል ድማ ተራእዮም እዮም።

ስለምንታይ ኢኻ ክትክተብ ዘሎካ፧

ንርእስኻን ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሰባትን ንምክልኻል።

  • እቲ ክታበት ብምኽታብ ድማ ሰውነትኩም፡ ኣንጻር ቫይረስ ሓያል ምክልኻል ይህብ፡
  • እንትተኸቲብኩም ድማ ነቲ ሕማም ኣብ ቀረባኹም ንዘለዉ ኣይተላብዕዎን ኢኹም።  
  • ነቲ ክታበት እናመስገንኩም ንፈተውትኹም ክክከላኸሉ ኢኹም።  ብሰንኪ እቲ ተላባዒ ሕማም፡ ንዓኹም ውሱን ሳዕበናት ዘለዎ ንኻልኦት ግን ንሂወቶም ዘስግእ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኮሮናቫይረስ ኣብ ከባቢኹም ንዘለው ብዙሓት ሰባት፡ ሓደገኛ እዩ: 

-    ነፍሰ ጾራት
-    65 ከምኡ'ውን ልዕሊኡ ዝዕድሚኤን ደቀንስትዮ
-   ናይ ሳንቡእ፡ ልቢን ከባቢ ልብን ሕማማት ዘለዎም
-    ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ወይ ከኣ ድኹም ምጽዋር ዘለዎም (ንኣንነት ብሰንኪ ካንሰር)

እንተኾነ ግን እዚ ቫርረስ ን ንመንእሰያትን ጡዑያት ሰብባት'ውን ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡።

2 ምዉጋእ ኣብ ላዕለዋይ ቅልጽም
ምዉጋእ ኣብ ላዕለዋይ ቅልጽም

ነቲ ክታበት ብኸመይ ኢኻ እትረኽቦ?

  • ኣብ ላዕለዋይ ቅልጽምካ ክትውጋእ ኢኻ
  • ንገለ ኽታበታት ድሕሪ እቲ ቐዳማይ ምውጋእ ሒደት ሰሙናት ጸኒሑ ካልኣይ መርፍእ ክትውጋእ ኢኻ
  • 14 መዓልቲ ድሕሪ ምውጋእኻ ካብ እቲ ኮሮና ቫይረስ ብቑዕ ብዝኾነ ኣገባብ ምክልኻል ኣለኩም
  •  ምኽንያቱ ቲ ምክልኻል ድሕሪ ውሑድ ኣዋርሕ ክደክም ይጅምር፡ መሐየሊ መርፍእ ክትወስዱ ኣዝዩ እዩ ዝምከር። ድሕሪ ሙሉእ ክታበት ምውሳድኩም እዚ ሳልሳይ ዝውጋእ መርፍእ እዩ።

እቲ ክታበት ውሑስ ድዩ?

  • ሰባት ክታበታት ናይ ምስራሕ ብዙሕ ክእለት ኣለዎም። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ነዚ ኽታበት እዚ ንምድላው ኣበርቲዖም ጽዒሮም እዮም። 
  • እዚ ኽታበት እዚ ንመጀመርታ ግዜ ብዝተፈላለዩ ንጻ ኣካላት ብጥንቃቐ ተፈቲኑ ኢዩ። ውሑስ እዩ። 

ድሕሪ እቲ ክታበት፣ ጸገማት ከተማዕብል ትኽእልዶ?
ምናልባት

  • ኣብ ላዕለዋይ ቅልጽምካ ገለ ስቓይ ወይ ሕበጥ፣ ምቕያሕ
  • ድኻም
  •  ሕማም ርእሲ
  • ቁሩብ ልዕል ዝበለ ረስኒ ከተማዕብል ትኽእል ኢኻ

እዚ ንቡር እዩ ከምኡውን ዓብዪ ነገር ኣይኰነን፣ እቶም ግዳማዊ ሳዕቤናት ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ወይ መዓልትታት ዝጠፍኡ እዮም።

ኩሉ ሰብ ክታበት ክወስድ ድዩ?

እወ፡ ኩሎም ልዕሊ 5 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ናይ ኮሮናቫይረስ ክታበት ክወስዱ ይኽእሉ እዮም። ብውሕዱ መሰረታዊ ክታበትን መበርትዒ ክታበትን ክትወስዱ ኣዝዩ እዩ ዝምከር።  እዚ ክታበት ግዴታ ኣይኮነን።

እዚ ክታበት ንገለ ሰባት ክግበረሎም ኣይምረጽን እዩ፥ ንኣብነት ልዑል ሙቐት ዘለዎም ወይ ትሑት ናይ ሕማም ምክልኻል ዓቕሚ ዘለዎም (ንኣብነት ስሰንኪ ሕማም መንሽሮ) ዘለዎም ሰባት። ንዝያዳ ሓበሬታ ንሓኪምኩም ወይ ድማ ኣገልግሎት ሕክምና ተወከሱ።

መዓስ ኢኻ ክታበት እትወስድ?

  • ኣብ መቐበሊ ማእኸል ዲኻ ትነብር? ተራኻ ምስ በጽሐ፣ እቶም ኣብቲ መቐበሊ ማእኸል ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኪሕብሩኻ እዮም።  
  • ኣብ መቐበሊ ማእኸል ኣይኰንካን ዲኻ ትነብር?ነቲ ናይ ቐዳማይን ካልኣይን ክታበት ቆጸራኻ ዝሓዘ ደብዳበ ኤስ. ኤም. ኤስ. ወይ ኢ-መይል ክበጽሐካ እዩ። ቈጸራኻ ኣረጋጊጽካ ናብ’ቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ማእከል ክታበት ክትከይድ ኣሎካ።

ተወሳኺ መሐየሊ መርፍእ

ኣብ ቀውዕን ዊንተርን ከኣ ብዙሓት ሰባት ብ ኮሮና ቫይረስ ክልከፉ ትጽቢት ንገብር።

መሐየሊ መርፍእ ኣብ ቀውዒ ከኣ ናይቲ ክታበት ምክልኻል የበርትዖ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ካብ ቀውዒ ንንየው፡(ኣዋርሕ መስከረም/ጥቅምትን)፡ ኩሎም እኹላት ሰባት (+18 ዓመት) ክታበት ናይ ኮሮና ቫይረስ ክወስዱ ዕድመ ዝውሃቦም።

ናይ ክታበትኩም ቆጸራ (ቦታን ዕለትን ሰዓትን) ክበጽሓኩም እዩ። ቈጸራኻ ከይሓልፈኩም!