ፈደራላዊ መንግስቲ

ኣብ ቤልጂዩም፡ ነታ ሃገር ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ብጠቕላላ ውሳነታት ዝውስን ሓደ መንግስቲ ኣሎ፥ ንሱ ድማ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ።

ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ እንተበዝሑ 15 ሚኒስተራት ኣለዉ፡- ሓደሓደ ግዜ ደገፍ ካብ ዋና ጸሓፊ ዝረኽቡ። ንሳቶም ብዛዕባ እታ ሃገር ብጠቕላላ ውሳነታት ይውስኑን ሕግታት ይነድፉን። ማዕረ ብዝሒ ዘለዎም ቋንቋ ሆልንድ ዝዛረቡን ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረቡን ምኒስተራት ኣለዉ። መራሒ ናይቲ ፈደራላዊ መንግስቲ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር እዩ።

እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ብኸመይ ይቐውም፧

ድሕሪ ምክያድ ምርጫ (ኣብ ነፍሲ-ወከፍ 5 ዓመታት ዝካየድ) እተን ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ብሓባር ዓብላሊ መናብር ዘለወን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሓደ መንግስቲ ከቑማ ይኽእላ። እተን ዓብለልቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ነቶም ምኒስተራት ይሓጽይኦም። ስለዚ ምኒስተራት ብቐጥታ ብህዝቢ በልጅም ኣይኮኑን ዝምረጹ።

ብዙሓት ፖለቲካዊ ሰልፍታት

ኣብ በልጅም፡ ሓንቲ ሰልፊ በይና ስልጣን ኣይትሕዝን እያ። ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ሓደ መንግስቲ ብሓባር ክሰርሓ የድልየን፡ ነዚ ድማ ልፍንቲ ኢልና ንጽውዖ።

እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዛዕባ እንታይ ይውስን፧

እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዛዕባ ኣገደስቲ ጒዳያት ከም ጸጥታ፡ ማሕበራዊ ድሕነት፡ ህዝባዊ ጥዕና፡ ጒዳያት ወጻኢ፡ ፍትሒ፡ ስደት፡ ምክልኻል፡ ወዘተ ዝኣመሰለ ይውስን። ንነፍሲ ወከፍ ጒዳይ፡ ሓደ ምኒስተር ወይ ዋና ጸሓፊ ጒዳያት ብቑዕ እዩ።