ብዛዕባና

ናብ`ዚ ንትካል ፌዳሲል ዝምልከት ማዕከን ሓበሬታ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። እዚ ማዕከን ሓበሬታ እዚ ኣብ ቤልጂዩም ንዝርከቡ ሓተትቲ ዕቝባ ከም መወከሲ ዘገልግል እዩ! 

ኣብ’ዚ ኣብ 8 ዝተፈላለየ ቴማታት (ብ 14 ቋንቋታት) ሓበሬታ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ዑቕባን መስርሑን፡ መንበሪ፡ ኣብ በልጁም ምንባር፡ ምምላስ፡ ስራሕ፡ምምሃር፡ ሰብ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመን ጥዕናን። እዚ ንትካል ፌዳሲል ዝምልከት ማዕከን ሓበሬታ እዚ፡ ከም ሓተትቲ ዕቝባ መጠን ንመጻኢኹም ብዝምልከት ዝሓሸ ምርጫ ንኽትወስዱ ክሕግዘኩም እዩ።

እዚ ንትካል ፌዳሲል ዝምልከት ማዕከን ሓበሬታ እዚ ንምድህሳሱ ቀሊል እዩ፦ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብ'ቶም 8 ኣርእስተ-ቴማታት ጠውቑ ወይ ፍሉይ ናውቲ ድልያ ተጠቐሙ። 
ንትካል ፌዳሲል ዝምልከት ማዕከን ሓበሬታ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣምራት መብርሂ ዝህብ ዝርዝር ትርጉም ቃላት እውን ኣለዎ። እዚ ንትካል ፌዳሲል ዝምልከት ማዕከን ሓበሬታ ምሳኻትኩም ከምዝዘራረብ እውን ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም፦ ኣብ'ቲ ናይ ትሕዝቶ ድምጺ ሕላገት ጠውቑ እሞ ጽሑፍ ክንበበልኩም እዩ።

ትካል ፌዳሲል እንታይ እዩ? 
ፌዳሲል፡ ብዛዕባ ምቕባል ሓተትቲ ዕቝባ ሓላፍነት ዝስከም ፈደራላዊ መንግስታዊ ትካል ናይ ቤልጂዩም እዩ። ትካል ፌዳሲል ነተን ኣብ ቤልጂዩም ዝርከባ ትካላት ምቕባል ኣጋይሽ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ዘለዎ ኰይኑ፡ ብቕዓት ናይ`ቶም ደለይቲ ዕቝባ ንዝዀኑ ኣጋይሽ ዝወሃቡ ንኣቀባብላ ኰነ ቅለሳዊ ምኽሪ ዝምልከቱ ኣገልግሎታት ይቈጻጸር።

ንወለንታዊ መስርሕ ምምላስ ናብ ሃገረ-መበቆልኩም ብዝምልከት እውን መገሻኹም ይውድብ/የቃንዕ። 

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ወለንታዊ ምምላስ፧www.voluntaryreturn.be
ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ፈዳሲል፤ www.fedasil.be

ኣብ’ቲ ንትካል ፌዳሲል ዝምልከት ማዕከን ሓበሬታ ገለ ጌጋ ዶ ረኺብኩም? 
ትካል ፌዳሲል ብዛዕባ እቲ ኣብ'ቲ ንትካል ፌዳሲል ዝምልከት ማዕከን ሓበሬታ ዝወጽእ ሓበሬታ ብዙሕ ጥንቃቐታት እዩ ዝገብር። ዝዀነ ይኹን ኣብ www.fedasilinfo.be ዝወጽእ ሓበሬታ ዘይቅኑዕ ኰይኑ ምስዝጸንሕ፡ ንኽንእርሞ ዝከኣለና ክንገብር ኢና።
ገለ ጌጋ ዶ ረኺብኩም? ናብ info@fedasil.be ኢመይል ስደዱ

ሓበሬታ ፈዳሲል፡ እቲ ናይ ሓበሬታ መድረኽን ንደለይቲ ዕቚባ ኣብ በልጅም