ፈትሹ/ድለዩ
ጽግዕተኛታት
ጠለባት ህይወቶም ኣባኹም ዝምርኰስ ሰባት። ጽግዕተኛታት ደቂ ወይ ድማ ካልኦ ሰባት ክህልዉኹም ዝከኣል እዩ (ንኣብነት፡ ወለዲ)።
ብኣካል ዘይምህላው
ኣብ ናይ ውልቁ ኣድራሻ ዝቕመጥ ደኣ'ምበር ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ዘይጸንሕ ኣመልከቲ ናይ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ።
ናይ OV/SP ቍጽሪ
ቍጽሪ ህዝባዊ ድሕነት። ናይ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ቍጽሪ ምዝገባ (7 ኣሃዛት ዝሓዘ)። ነዚ ቍጽሪ እዚ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ናይ'ቲ ካብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን እተዋህበኩም ጥብቆ ወረቐት ክትረኽብዎ ትኽእሉ።
ጾታ/ጀንደር
ጀንደር ንማሕበራዊ ጾታ ናይ ሓደ ሰብ ዝገልጽ ኣምር እዩ። ከም ሰባት ኣብ ቅድሚ ሰባት ከነርእዮ ትጽቢት ዝግበረሉ ወይ ሰባት ካባና ዝጽበይዎ ባህርይ። ጾታ/ጀንደር ምስ ግዜ፡ ቦታን ባህልን ክቀያየር ዝኽእል እዩ። ጾታ ሓደ ቀዋሚ ወይ ዘይቅየር ነገር ኣይኰነን። ተቓያያሪነትን ተዓጻጻፊነትን ዘለዎ እዩ።
ጾታዊ መለለዪ
ጾታዊ መለለዪ ነቲ ብውሽጥና ዝመስለና ነገር ዝገልጽ እዩ። እቲ ብውሽጥና ዝመስለና ነገር፡ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ደቀ'ንስትዮ ወይ ካብ ክልቲኣቱ ምድብ ወጻኢ ምዃንና ክኸውን ይኽእል። ሓደ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ-ርእሱ ወዲ-ተባዕታይን ጓለ'ንስተይትን ወይ ካብ ክልቲኡ ወጻኢ ዝዀነ ጾታዊ መለለዪ ዘለዎ ምዃኑ ምዝስምዖ፡ ነዚ ዘይ-ድርብ ጾታዊኢልና ንጽውዖ። ሓደ ሰብ ናይ ወዲ-ተባዕታይን ጓለ'ንስተይትን ባህርያት ሒዙ ምስዝውለድ እሞ ዝንባለኡ ናይ ወዲ-ተባዕታይ ወይ ጓለ'ንስተይ ምስዝኸውን፡ ነዚ ጉስየ-ጾታዊተባሂሉ ይጽዋዕ። ጾታዊ መለለዪኦም ዝቐየሩ ሰባት፡ ሒዞሞ ዝተወልዱ ጾታ ምስ ውሽጣዊ ኣረኣእያኦም፡ ባህርያቶምን ስምዒቶምን ዘይቃዶ ኰይኑ ይረኽብዎ። ጾታዊ መለለዪ ምስ ግዜ ክቀያየር ዝኽእል እውን'ዩ። እዚ ድማ ተቓያያሪነት ናይ ጾታዊ መለለዪ ይበሃል።
ዕቝባ
ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት/ዕቝባ። ንሓደ ካብ ሃገሩ ከም ዕቑብ ስደተኛ ዝወጸ ሰብ፡ ብኻልእ ሃገር ዝወሃቦ ውሕስነት።
ገንዘባዊ ደገፍ
ገንዘብ ብምሃብ ዝገብር ዓይነት ሓገዝ። ንኣብነት፡ ጥጡሕ መነባብሮ ንኽትመርሑ እኹል ኣታዊ ምስዘይህልወኩም፡ ትካል CPAS/OCMW ንመነባብሮኹም ዝኸውን ደሞዝ ምክኸፍለኩም ክውስን ይኽእል እዩ።
ማእከል ማእሰርቲ
ሕቶኦም ተቐባልነት ዘይረኸበ ኣመልከትቲ ኰኑ ካልኦት ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ሰባት፡ ክሳብ ካብ ሃገር ዝወጹ ተኣሲሮም ዝጸንሑሉ ማእከል።
ምምሕዳር ከተማ
ምምሕዳር ከተማ፡ ትካል CPAS/OCMW ከምኡ`ውን ፖሊስ፡ ብሓባር፡ ከባብያዊ ምምሕዳር የቑሙ። ብምኽንያት ምምሕዳራዊ ጉዳያት ናብ ምምሕዳር ከተማ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም፦ ናይ ክብሪ መዝገብ ልደት ንኽትከፍቱ ወይ ውዕል መርዓ ከተመዝግቡ፡ ወይ ድማ ከም ነበርቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ንኽትምዝገቡ ወዘተ።
ኣውራጃዊ ቤት-ምኽሪ
ኣብ ኣውራጃዊ ቤት-ምኽሪ፡ ኣንጻር ውሳኔታት ቤት-ምኽሪ ክርክር ሕጊ መጻእተኛታት (RvV/CCE) ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣውራጃዊ ቤት-ምኽሪ፡ ትካል RvV/CCE ብመሰረት ሕጋዊ ግዴታታቱ ተቐዪዱ ውሳኔ ከምዝሃበን ከምዘይሃበን ጥራይ እዩ ዝፍትሽ። ትሕዝቶ ጉዳይ ብዓሚቑ ኣይምርመርን እዩ።
ቀይሕ መስቀል፡ ኣባላት ስድራቤትኩም ኣብ ምድላይ ይሕግዝኹም እዮም። ቀይሕ መስቀል ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ካልእ ናይ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ማሕበራት፣ ከምኡ'ውን ምስ ኣብ ናይ ግጭት ዞባታት ዘለዉ ፍሉያት ወከልቲ ይተሓባበር።
ኣብ ቤልጅዩም፡ ብዙሓት ዓይነት ኣገልግሎት፡ ብቐጥታ ብመርበብ ሓበሬታ እዮም ዝወሃቡ፤ ንኣብነት፡ ቈጸራ ሓኪም ምሓዝ፡ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብ ገንዘብ ምስግጋር...
ከም ኣመልከትቲ ንኣህጉራዊ ሓለዋ መጠን፡ ከም ወለንተኛ ኮይንኩም ክትሰርሑ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ሓደስቲ ሰባት ትረኽብሉ፡ ቋንቋ ትምሃርሉን ሓደስቲ ተመክሮታት ትቐስምሉን ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ።
ንውሳኔ ናይ ትካል CGVS/CGRA ትቃወምዎ ዶ? ብዛዕባ እዚ ውሳኔ እዚ ናብ ቤት-ምኽሪ ክርክር ሕጊ መጻእተኛታት (CALL/RvV/CCE)ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ እዚ ኣማራጺ እዚ ምስ ጠበቓኹም ተማኸሩ።
እታ ሃገር እብ 3 ዞባታት ዝተመቕለት እያ። ነፍስ ወከፍ ዞባ ናታ መንግስቲ ኣለዋ።
ኣብ ቤልጂዩም፡ ኣብ ህዝባዊ ህንጻታት፡ ኣብ ካፈታትን ኣብቲ መቐበሊ ማእከልን ሽጋራ ክተትክኹ ኣይፍቀድን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ጎደናታትን ቴራሶታትን ክተትክኹ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ ቤልጅዩም፡ ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዮም። ንሳቶም ሓደ ዓይነት መሰላት ኣለዎም። ንደቂ-ኣንስትዮ ሓደ ዓይነት መሰላት ዘይምሃብ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ከምኡ'ውን፡ ንዝኾነ ሰብ፡ ብመሰረት መበቆል፡ ወሲባዊ ዝንባለ ወይ ሃይማኖት፡ ኣድልዎ ምርኣይ ኣይክኣልን እዩ።