ንዓኹም ናብ ዝተመደበ መቐበሊ ቦታ ምኻድኩም

ንዓኹም ናብ ዝተመደበ መቐበሊ ቦታ ንኽትከዱ ናይ ባቡር ድዩስ ናይ ኣውቶቡስ ትኬት ኪወሃበኩም እዩ።

ኣብ'ቲ ናይ መጀመርታ ማእከል መቐበሊ መጻእተኛታትእንከለኹም፡ ትካል ፌዳሲል ናብ'ቲ ንዓኹም ዝተመደበ መቐበሊ ቦታ (ከም ልሙድ፡ ናይ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ወይ ናይ ፌዳሲል ማእከል) ንኽትከዱ ዘኽእለኩም ናይ ባቡር ድዩስ ናይ ኣውቶቡስ ትኬት ክህበኩም እዩ።

ቅድሚ ምብጋስኩም ዝወሃቡኹም ነገራት፦

  • ኣድራሻ ናይ'ቲ እትኣትውዎ መቐበሊ ቦታ ናይ ቍጽሪ ተሌፎኑ፣
  • መገዲ ናይ'ቲ እትኣትውዎ መቐበሊ ቦታ ዝሕብር ካርታ፣
  • መብርሂ ብዛዕባ ክትጥቀሙሉ ዝግባእ ኣማራጺ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ
  • ዘድልየኩም ትኬት ናይ ባቡር ወይ ኣውቶቡስ።

ትካል ፌዳሲል ነቲ እትኣትውዎ መቐበሊ ቦታ ብዛዕባ ምምጻእ ናትኩም ይሕብር። እቲ እትኣትውዎ መቐበሊ ቦታ ድማ ኣብ ውሽጢ'ታ ዝተበገስኩሙላ መዓልቲ ክትመጽእዎ ይጽበ።