መዝገብ ዝርዝር ትርጉም ቃላት

ጠለባት ደረቕ ስእሊ (ንፓስፖርት)

እቲ ኣብ መለለዪ መንነት ዝዀነ ካርድኹም፡ ናይ ወጻእተኛ ካርድኹም ወይ ፓስፖርትኹም እንጥቀመሉ ጉርዲ ስእሊ፡ ገለ ግቡኣት መምዘኒታት ዘማልአ ክኸውን ይግባእ። እተቕርብዎ ጉርዲ ስእሊ ነዞም መምዘኒታት ዘማልእ ምስዘይከውን፡ ምምሕዳር ከተማ ምቕባልኩም ክኣቢ ግዴታ ኣለዎ።

  • ሚዛናዊ ስምዒት ብዘንጸባርቕ ናይ ገጽ መልእኽቲ ዝተሳኣልኩሞ ክኸውን ይግባእ፦ ኣፍኩም ብኽዱኑ፡ ፍሽኽ ከይበልኩም
  • ገጽኩም ፊት-ንፊት ጠሚቱ፡ መንኵብኩም ቀኒዑ፡ ናብ ካሜራ ፊት-ንፊት እናጠመትኩም እንከለኹም ዝተሳኣልኩሞ።
  • ገጽኩም ምሉእ-ብሙሉእ ቅሉዕ ክኸውን ይግባእ፦ ግንባርኩም፡ መንከስኩምን ኣእዛንኩምን ክረአ ይግባእ።
  • ኣዒንትኹም ብንጹር ክረአ ይግባእ፦ መነጽር እንተጌርኩም ድማ ከንጸባርቕ ድዩስ ደባን ዝጥርሙሱ ክኸውን፡ ከምኡ'ውን ፍረይሙ ኣዝዩ ዓቢ ወይ ናብ ጥቓ ዓይንኹም ዝቐረበ ክኸውን ኣይግባእን።