ሓገዝ ዝግበረሉ ውልቃዊ መነባብሮ

ዕድሚኦም ልዕሊ 16 ዓመት ዝዀነ እሞ ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰባት ዲኹም? ከምኡ እንተደኣ ኴንኩም፡ ንበይንኹም ንኽትቅመጡ ሕቶ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንውልቅኻ ክትነብር ትደሊ ዶ? ድልየት ምስዝህልወካ፡ ምስ ሕጋዊ/ት መጕዚትካ ብምዃን፡ ደገፍ ዘድልዮ ውልቃዊ ናብራ ንኽትመርሕ መመልከቲ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ድማ ንበይንኻ ኣብ በዓል-ንጽል-ክፍሊ ኣፓርታማ ወይ ኣብ ኣፓርታማ ክትነብር ኢኻ ማለት እዩ።

ንበይንኻ ንኽትነብር፡ ሓያለይ ቅድመ-ኵነታዊ መምዘኒታት ከተማልእ ይግባእ፦

  • ዕድሜኻ ልዕሊ 16 ዓመት ክኸውን ይግባእ።
  • ከም ዕቑብ ስደተኛተቐባልነት ዝረኸበ ሰብ ኴንካ፡ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባዝጸደቐሉ ወይ ድማ ፍቓድ ነባርነት ናይ ልዕሊ 3 ኣዋርሕ እዋን ዘለዎ ክትከውን ይድለ።
  • ኣብ ማእከልመቐበሊ ኣጋይሽ ንልዕሊ 4 ኣዋርሕ ክትቅመጥ ዝጸናሕካ ክትከውን የገድስ (ነዊሕ ጻንሖት)።
  • ርእስኻ ክኢልካ ንውልቅኻ ንኽትነብር ብቑዕ ክትከውን የገድስ።

ምስ ዝምልከቶ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኣብ ስምምዕ ምስ በጻሕካ ጥራይ ኢኻ - ንበይንኻ ንምንባር ናብ በዓል-ንጽል-ክፍሊ ኣፓርታማ ወይ ናብ ኣፓርታማ ክትሰግር እትኽእል።

ትካል ፌዳሲል ክትነብረሉ እትኽእል ዝሓሸ ቦታ ክመርጸልካ እዩ።

ኣብ መዳይ ደገፍ ዘድልዮ ውልቃዊ ናብራ ዝግበር ሓገዝ

ንበይንኻ እትነብር እንተዄንካ፡ መሰነይታ ዘይብሉ ትሕቲ ዕድመ መንእሰይ ከም ምዃንካ መጠን፡ ተወሳኺ ሓገዝ ክግበረልካ እዩ።

  • ሓደ ብውልቂ ዝቘጻጸረካ ሰብ፡ ኣብ ተግባራውያን ዕማማትካ ክተሓጋገዘካ እዩ፦ ስራሕ ድዩስ ዕድል ስልጠና ኣብ ምርካብ፡ መጸዋዕታታት ክፍሊት (ቢላት) ኣብ ምድቕቓስ ወዘተ። እዚ ብውልቂ ዝቘጻጸረኩም ሰብ ኣብ መዳይ ኣጠቓቕማ ናጻ ግዜኹም ኰነ ምስ ስድራ-ቤትኩም ኣብ ምርኻብን ፈተውቲ ኣብ ምጥራይን እውን ክተሓጋገዘኩም እዩ።