ብትካል CGVS/CGRA ንዝተዋህበ ውሳኔ ይቕበል

ሓተትቲ ዕቝባ፡ ብመገዲ ብጶስጣ ዝተላእከ ደብዳቤ ኣቢሎም እዮም - ብዛዕባ ውሳኔ ናይ CGVS/CGRA ዝፈልጡ።

እቲ CGRS ውሳነኡ ኣብ ደብዳበ ጽሒፉ ብጶስጣ ይሰደልካ። እዛ ደብዳበ እዚኣ እቲ ዕቝባ ንምርካብ ዘቕረብካዮ ሕቶ ስለምንታይ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ወይ ከም ዝተነጽገ ትገልጽ። ናትካ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ከምኡውን ናትካ ጠበቓ ነዚ ዉሳነ ክገልጾ ይኽእል።

እታ ደብዳበ ናብ ኣየነይቲ ኣድራሻ እያ እትለኣኽ፧ እታ ደብዳበ ናብቲ ን CGRS ዝሃብካዮ ኣድራሻ ትለኣኽ። ኣብ መቐበሊ ማእኸል ትነብር እንተደኣ ኾይንካ እታ ደብዳበ ናብቲ ማእከል ትለኣኽ።

እንተደኣ ግዒዝካ ኮይንካ ነቲ CGRS ንምሕባር ኣይትረስዕ።