ትምህርትን ስራሕን

ትመሃሩ ወይ ናብ ቤት-ትምህርቲ ትኸዱ እንተሊኹም፡ ኣብ ርእሲ ትምህርትኹም ብተወሳኺ ሓደ ግዝያዊ ስራሕ እናሰራሕኩም ተወሳኺ ገንዘብ ክተእትዉ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ዓይነት ስራሕ እዚ ናይ ተመሃራይ ስራሕ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ናይ ተምሃራይ ስራሕ መን ክሰርሕ ይኽእል፧

  • ቀንዲ ንጥፈትካ(ኪ) ምምሃር እዩ/ ተምሃራይ ኢኻ (ቀንዲ ደረጃኻ)/ንስኻ(ኺ) ኣብ ቤት-ትምህርቲ ከም ተምሃራይ ተመዝጊብካ ኣለኻ(ኺ)።
  • ዕድሜኹም 15 ዓመት ኰይኑ፡ እንተውሓደ ክልተ ዓመታት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ተኸታቲልኩም ኣለኹም።
  • ወይ ንስኻ(ኺ) ዕድሜኻ እንተውሓደ 16 ዓመት እዩ።

ኣየኖት ሰነዳት የድልይኹም፧

ግብራዊ

  • ብዛዕባ ናይ ተምሃራይ ስራሕኩም ንናትኩም ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ሓብርዎ።
  • ከም ተምሃራይ መጠን፡ ንኽፋል ደሞዝኩም ነቲ መቐበሊ ማእከል ምኽፋል ኣየድልየኩምን እዩ።
  • ከም ተምሃራይ መጠን፡ ዝነውሐ ክትሰርሕዎ ትኽእሉ 475 ሰዓታት ንዓመት እዩ።