ላዕለዋይ ትምህርቲ

ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ሰርትፍኬት ምስሓዝኩም፡ ትምህርትኹም ኣብ ኮለጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክትቅጽሉ ትኽእሉ። ላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ናብ ዕዳጋ ስራሕ ዘምርሓኩም ዲፕሎማታት የውህበኩም፥ መምህር፡ ኣላዪ/ት ሕሙማት፡ ሰራሕተኛ ሕሳብ ወይ ኣካውንታንት፡ ወዘተ።

ቅድመ-ኲነታት ናብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምእታው

  • ንሰርትፍኬት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ በልጅም እንተረኺብክሞ፥ ብቐጥታ በታ ቤት-ትምህርቲ ክትምዝገቡ ትኽእሉ።
  • ንሰርትፍኬት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ካብ ካልእ ሃገር እንተረኺብክሞ፥
    • ቅድሚ ምምዝጋብኩም ካብታ ቤት-ትምህርቲ ፍቓድ ሕተቱ
    • ኣብ ናይቲ ኮርስ ቋንቋ (ሆላንድ፡ ፈረንስ፡ እንግሊዝ) እኹል ክእለት ከምዘለኩም መረጋገጺ እንተልይኩም

ዶክተር ወይ ሓኪም-ስኒ ንኽትኰኑ ድዩስ ንገለ ናይ ምህንድስና ስልጠናታት ብዝምልከት፡ ኣብ ናይ መቐበሊ ፈተና መሕለፊ ነጥቢ ከተምጽኡ ከድልየኩም እዩ።

መዳለዊ ዓመት ንናይ ወጻኢ ዝቛንቁኦም ተምሃሮ

ገለ ኮለጃትን ዩኒቨርሲታትን ንናይ ወጻኢ ዝቛንቁኦም ተምሃሮ መዳለዊ ዓመት የቕርባ።

እቲ መዳለዊ ዓመት ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፥

  • ናይ ቋንቋታት ሆላንድ/ፈረንስ ትምህርታት ንዘይ ደቂ ዓዲ
  • ኣገባባት ኣጸናንዓ
  • ምኽሪ ኣብ ምምራጽ ዓውደ ትምህርታት
  • ቋንቋ እንግሊዝ፡ ሕሳብን ምርምርን
  • ካልእ ውሱናት ክትመርጽዎም ትኽእሉ ትምህርታት።

ወጻኢታት

  • ብዛዕባ መመልከቲኹም ንኣህጉራዊ ሓለዋ ገና መልሲ ኣይተቐበልኩምን ዲኹም ዘለኹም፧ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ክትሓቱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ከምኡ'ውን ንብምልኡ እቲ ናይ ምዝገባ ክፍሊት ክትከፍልዎ የድልየኩም።
  • ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ተዋሂብኩም ድዩ ወይ ተወሳኺ ሓለዋ ተዋሂብኩም ድዩ፧ ንክፋል ናይ ትምህርትኹም ወጻኢ ንምሽፋን ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ'ውን ካብ ናይ ካልእ ተምሃሮ ዝተሓተ ናይ ምዝገባ ክፍሊት ትኸፍሉ።
  • ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ዝረኸብኩም ሰባት ኴንኩም፡ ዕድሜኹም ትሕቲ 25 ዓመት ምስዝኸውን፡ ጠቕማዊ ሓገዝ ህጻንንኽወሃበኩም መመልከቲ ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም እዚ ውሑድ ገንዘብ ኮይኑ ንኽሎም መንእሰያት ኣብ ብእዋን ትምህርቶም ዝውሃብ እዩ። ነቶም ጠለባት ተማልዎም እንተኾይንኩም ንምፍላጥ ንማሕበራዊ ሰራሕተኛኹም ሕተትዎ።

ላዕለዋይ ትምህርቲ 4 ዓይነት ኮርሳት/ዓውደ-ስልጠናታት የጠቓልል

  • ናይ HBO5 ኮርሳት፥ ሓጸርቲ፡ ግብራውያን ኮርሳት
  • ሞያዊ ባችለር፥ ናይ 2 ክሳብ 3 ዓመት ግብራዊ ኮርስ
  • ኣካዳምያዊ ባችለርን ማስትረይትን፥ ድሕር'ቲ ናይ ማስትረይት ፕሮግራም ጥራይ ናይ ስራህ ዕድል ዝፈጥሩ ኮርሳት። እቶም ኮርሳት ዝዝወሓደ ግብራዊ መዳይ ዘለዎም ኮይኖም ዝያዳ ኣብ ፍልጠት ዘድሃቡ እዮም።
  • ዶክትረይት፥ ንማስትረይት ተኸቲሉ ዝመጽእ ፍሉይ ኮርስ። እቲ ቀንዲ ንጥፈት ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር እዩ።