ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐተይ ኣብ ፍላንደርስ ተቐባልነት ከምዝረክብ ንኽገብር

ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተዋሃብኩሞ ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐት ኣለኩም ዶ? NARIC ፍላንደርስ፡ ኣብ ፍላንደርስ ክሰርሑ ኰነ ክመሃሩ ንዝደልዩ ሰባት ወረቓቕቲ ምስክር ትምርህትታቶም ብምግምጋም ተቐባልነት ይህብ።

ትምህርትኹም ኣብ ፍላንደርስ ወይ ብራስለስ ንምቕጻል፡ ምስ ዝደለኹሞ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮሌጅ ብቐጥታ ተራኸቡ።

ከመይ ጌርኩም ወረቐት ምስክር ትምህርትኹም ተቐባልነት ከምዝረክብ ትገብሩ?

ካብ ክልተ ኣገባባት/መስርሓት ሓደ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም፦

1. ንደረጃ ትምህርቲ ተቐባልነት ምሃብ፦ NARIC ኣብ ጉዳይ ተቐባልነት ናይ ደረጃ ትምህርትኹም ውሳኔ ይህብ።

  • ዘለኩም ምስክር ወረቐት ትምህርቲ ምስ ኣየናይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ፍላንደርስ ከምዝመጣጠን ንምርኣይ (ንኣብነት ካልኣይ ደረጃ፡ ላዕለዋይ ስነ-ኪነታዊ ትምህርቲ፡ ቀዳማይ ዲግሪ ወይ ማስተርስ)።
  • ስራሕ ኣብ ምቝጻር መመልከቲ ንምቕራብ።
  • ኣብ ፍላንደርስ ምስኡ ዝመጣጠን ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ የልቦን።
  • ትምህርታዊ ፕሮግራም ናይ ዓውደ-ሞያኹም ክርከብ ምስዘይከኣል (ሕጂ ዘየልቦ ምስዝኸውን)።

2. ፍሉይ ኣተኵሮ ዘለዎ ምውሃብ ተቐባልነት ትካል NARIC ምስ ወረቐት ምስክር ትምህርትኹም ብልክዕ ዝመጣጠን ወረቐት ምስክር ትምህርቲ ናይ ፍላንደርስ ሃሰው ብምባል ወሳኒኡ ይህብ።

  • ኣብ ቤልጂዩም፡ ቍጽጽር ኣብ ዘድልዮ ዓውደ-ሞያ ክትዋፈሩ ምስእትደልዩ፤ ንኣብነት፦ ዶክተር፡ ነርስ፡ ስነ-ንድፊ-ህንጻ፡ ሕሳብ ወዘተ)። ቍጽጽር ኣብ ዘድልዮ ዓውደ-ሞያ ንኽትዋፈሩ፡ ካብ ዝምልከቶ ካልእ መንግስታዊ ኣካል እውን ተቐባልነት ንምርካብ መመልከቲ ከተቕርቡ ከድልየኩም እዩ።
  • ሕዙእ ሞያዊ ማዕርግ ክትጥቀሙ ምስእትደልዩ፤ ንኣብነት፡ ኢንዱስትሪያዊ መሃንድስ፡ ስነ-ንግዳዊ መሃንድስ፡ ስነ-ህንጻዊ መሃንድስ፡ ዶክተር፡ ሓኪም-ስኒ፡ በዓል-ሞያ ፋርማሲ፡ ክኢላ ስነ-ንድፊ-ህንጻ፡ መሕረሲ/ት፡ ኣሳላጢ ማሕበራዊ ጉዳያት።
  •  ኣብ ሓደ ዓውደ-ሞያ ንኽትዋፈሩ፡ ጉዳይ ተቐባልነት ናይ ፍሉይ ወረቐት ምስክር ትምህርቲ ኣድላዪ ምስኸውን።
  • ጉዳይ ተቐባልነት ናይ ትምህርቲ ዶክተረይት ንኽጸድቀልኩም መመልከቲ ምስእተቕርቡ።

ኣየኖት ሰነዳት?

እቶም ናብ ትካል NARIC ከተቕርብዎም ዘድልዩኹም ሰነዳት ካብ ሓደ ጉዳይ/መስርሕ ናብ ካልእ ኣፈላለዩ እዮም። እቶም ፍሉይ ኣተኵሮ ዘለዎ ተቐባልነት ንምውሃብ ዝምልከቱ ሰነዳት፡ ካብ`ቶም ንደረጃ ትምህርቲ ተቐባልነት ንምልባስ ተባሂሎም ዝቐርቡ ዝበዝሑ እዮም። ሰነዳትኩም ብቛንቋታት ዳች፡ ፈረንሳ፡ እንግሊዝ ወይ ጀርመን ዝተዳለዉ እንተዘይኰይኖም፡ ዝተተርጐመ ቅዳሓቶም እውን ከተቕርቡ ክድልየኩም እዩ።

ገንዘባዊ ወጻኢታት?

ደረጃ ትምህርቲ ተቐባልነት ንምልባስ ዝቐርብ መመልከቲ፡ ኣብ እዋን ምቕራብ መመልከቲ ኣብ ከም`ዞም ቀጺሎም ዝዝርዘሩ ዓይነት ኵነታት ንዝርከቡ ሰባት፡ ካብ ገንዘባዊ ክፍሊት ናጻ እዩ፦

  • ኣመልከትቲ ናይ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ምስዝዀኑ
  • ተቐባልነት ዝረኸቡ ዕቝባት ስደተኛታት ወይ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ዝጸደቐሎም ምስዝዀኑ
  • ልዑል መጠን ገንዘባዊ ኣበርክቶ ዝገብሩ ኰይኖም፡ ነዚ ብመገዲ ሰሪቲፊኬይት ናይ ማዕከን መድሕን ጥዕና ከረጋግጽዎ ዝኽእሉ ምስዝዀኑ
  • ካብ CPAS/OCMW ደሞዝ መነባብሮ ዝኽፈሎም ወይ ምስ ደሞዝ መነባብሮ ዝዳረግ ማሕበራዊ ሓገዝ ዝወሃቡ እንተዀይኖም
  • ክሳብ ንሰለስተ ዓመታት ዘይጸንሕ ውዕል ማሕበራዊ ውህደት ዘለዎም ምስዝዀኑ
  • ደለይቲ ስራሕ ኰይኖም ብመገዲ VDAB ወይACTIRIS ዝተላእኩ ምስዝዀኑ