ናይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐተይ ኣብ ዋሎኒያ ወይ ኣብ ብራስልስ ተቐባልነት ከምዝረክብ ንኽገብር

ና ይ ትምህርቲ ምስክር ወረቐትኩም ተቐባልነት ከምዝረክብ ንኽትገብሩ

ኣብ ወጻኢ ሃገር ንዝተዋህበኩም ወረቐት ትምህርቲ ኣብ ዋሎኒያ ድዩስ ኣብ ብራስለስ ተቐባልነት ከምዝረክብ ክትገብሩ ምስእትደልዩ፡ እዚ ዝከኣል ጉዳይ እዩ። ብኸመይ? ምስ ወረቐት ምስክርኩምተመጣጣኒነት ናይ ደረጃ ዘለዎ ወረቐት ምስክር ንኽወሃበኩም፡ ናብ ፈደሬሽን ዋሎኒያ-ብራስለስ ሕቶ ከተቕርቡ ከድልየኩም እዩ።

እዚ ተመጣጣኒነት ናይ ደረጃ ዘለዎ ወረቐት ምስክር፡ ንደረጃ ናይ`ቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተዋብሀኩም ወረቐት ምስክር ትምህርቲ ዝረጋግጽ እዩ።

ካብ ክልተ ኣገባባት፡ ሓደ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም፦

  • ተመጣጣኒነት ደረጃ ትምህርቲ፦ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተዋብሀኩም ወረቐት ምስክር ትምህርቲ ምስ ስርዓተ-ደረጃ ትምህርቲ ናይ ቤልጂዩም (ቀዳማይ ዲግሪ፡ ማስተርስ ወይ ካልእ ደረጃ) ይነጻጸር ማለት እዩ።
  • ገምጋም ተመጣጣኒነት ናይ ወረቐት ምስክር ትምህርትኹም፦ ዝርዝራት ናይ ዝወሰኩሞም ኮርሳት ምስ ናይ ቤልጂዩም ተነጻጺሮም፡ ሓድሽ ደረጃ ትምህርቲ ናይ`ዛ ሃገር ይጸድቀልኩም።

ወጻኢታት ምርግጋጽ ብቕዓታዊ ገምጋም ናይ ምስክር ወረቐት ትምህርቲ፡ ካብ 150 ክሳብ 200 ዩሮ ይበጽሕ። ወጻእተኛታት ኰይኖም ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ዝረኸቡ ወይ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ዝተዋህቦም ሰባት፡ ንወጻኢታት ናይ`ዚ መስርሕ እዚ ባዕሎም ክሽፍንዎ ኣይግደዱን እዮም።

ነዚ መስርሕ እዚ ቅድሚ ምጅማርኩም፡ ንፈደሬሽን ዋሎኒያ-ብራስለስ ንኽትውከሱ ከነዘኻኽረኩም ንፈቱ።

እዚ መስርሕ እዚ እተሓላለኸ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ካብ ዞባዊ ማእከል ማሕበራዊ ውህደት (ናይ ዋሎኒያ) ወይ ካብ ማሕበር 'Ciré' (ናይ ብራስለስ) ሓገዝ ምሕታት እውን ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ናበይ ኢኹም ክትከዱ?