ሕክምናዊ መርመራ ዕድመ እንታይ እዩ?

ነቲ ኣህጉራዊ ሓለዋ ንኽወሃበኩም እተቕርብዎ መመልከቲ ከተመዝግብዎ እንከለኹም ዕድሜኹም ክንደይ ምዃኑ ክትሕብሩ የድልየኩም። እንተ ደኣ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ወይ ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት ብዛዕባ ዕድሜኹም ገለ ጥርጣረ ሃልይዎም፡ ሕክምናዊ መርመራ ናይ ዕድመንኸተካይዱ ክሓቱኹም ይኽእሉ እዮም።

ሕክምናዊ መርመራ ዕድመ

 

ሕክምናዊ መርመራ ዕድመ እንታይ እዩ?

ኣብ ሆስፒታል፡ ዶክተር ራጂ ናይ ኣስናንካ፡ ኣዕጽምቲ መንኵብካን ምናት ኢድካን ይወስድ። እዚ መርመራ እዚ ዝዀነ ይኹን ቃንዛ የብሉን። ዶክተር ንውጽኢት ናይ ራጅኻ ብምርኣይ፡ ብዛዕባ ዕድሜኻ ትሕቲ 18 ዓመት ምዃኑን ዘይምዃኑን ውሳኔ ይህብ። ንውጽኢት ናይ`ዚ ናይ ዕድመ መርመራ ምርኩስ ብምግባር፡ ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት ብዛዕባ ትሕቲ-ዕድመ ምዃንካን ዘይምዃንካን ብዝምልከት ውሳኔ ክህብ እዩ።

ክንዲ ሰብ ዝኣኸለ?

ትካል ኣገልግሎት መጕዚትነት ክንዲ ሰብ ዝኣኸለ ምዃንካ ዘረጋግጽ ውሳኔ ምስዝህብ እሞ ነዚ ውሳኔ እዚ ምስዘይትሰማምዓሉ ኸ? እቲ ዝሕግዘካ ክኢላ ስነ-ሕጊ ወይ ጠበቓኻ (ኣብ ውሽጢ 60 መዓልትታት) ንጉዳይካ ወኪሉ ይግባይ ክብል ይኽእል። እዚ መስርሕ እዚ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ውሳነኣዊ መልሲ እናተጸበኻ እንከለኻ፡ ወይ ድማ ይግባይ እንተዘይኢልካ፡ ክንዲ ሰብ ከም ዝኣኸልካ ተቘጺርካ መስርሕ ሕቶ ዕቝባ ክትከታተል ትጸንሕ።