ኣብ በልጅዩም ዕቝባ ንምርካብ ብኸመይ ከተመልክት ትኽእል፧

 ንዕቁባ [ 1]ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻ  እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ ምምዝጋብ ሕቶ ወይ ምልክታ እዩ።

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን

ምልክታኻ ኣበይ ኢኻ እትምዝገብ?

  • ኣብ በልጅዩም እንተደኣ ሃሊኻ፡ ኣብ ብራስልስ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን   (ናብታ ሃገር ካብ እትበጽሕ 8 መዓልቲ ከይሓለፈ)

ኣድራሻ: Boulevard Pacheco 441000 Bruxelles (Cube)

  • ኣብ ዶብ በልጅዩም እንተድኣ ሃሊኻ፡ ምስ ፖሊስ
  • ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ማእከል መቀየዲ እንተድኣ ተኣሲርካ፥ ምስ ዳይረክተር ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ወይ መቀየዲ።

መመልከቲ ወረቐት ኣብ ወጻኢ ሃገር (ንኣብነት ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ዚርከብ ኤምባሲ በልጅዩም) ወይ ብኢ-መይል ከተቕርብ ኣይከኣልን እዩ።

[ 1]እቲ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ንናይዓለምለኻዊ ዕቝባ ዝቐርብ ምልክታ ንምምዝጋብ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል መንግስቲ እዩ።

ኣየኖት ሰነዳት እዮም ዘድልዩኻ?

መንነትካ ዘረጋግጽ ዝዀነ ይኹን ሰነድ። ን ናይ ዓለምለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ ኣመልኪትካ ኽትምዝገብ ከለኻ ናብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግረሽን ከተምጽኦም ኣሎካ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ብተመስሳሳሊ ከኣ ዕቝባ ኽትረክብ ከም እትኽእል ንምርግጋጽ ንዅሉ እቲ ምስኡ ዚተሓሓዝ ሰነዳት ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ዝዀነ ይኹን ሰነድ እንተ ዘይብልካ ኣህጉራዊ ዕቝባ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ/ኺ ።