ምዝገባ ናይ`ቲ እተቕርብዎ መመልከቲ

እቲ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን እተቕርብዎ መመልከቲ ኣህጉራዊ ሓለዋ ይምዝግቦ።

መመልከቲኹም እተመዝግቡሉ ቦታ ኣበይ እዩ?

ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ቤልጂዩም እንተሃሊኹም፡ ናብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን (ኣብ Brussels ) ብምኻድ፡ ኣብ ቤልጂዩም ዓለም-ለኻዊ ውሕስነት (ወይ ዕቝባ) ክወሃበኩም ከምእትደልዩ ሓብርዎም። 

ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ዘለዉ መዓልትታት ክፉት እዩ። ሰዓት 8፡30 ቅ.ቀ (ናይ ንጕሆ) ኣብኡ ክትርከቡ ይግባእ።


ኣድራሻ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፦ Rue Belliard 68, 1000 Bruxelles 

ምዝገባ፦ ብዛዕባ መንነትኩምን ኣሰር ኣጻብዕትኹምን ዝምልከት ሕቶታት

  • ሓደ በዓል ስልጣን ካብ ቤት-ጽሕፈት ኢሚግሬሽን መንነትኩም ንምፍላጥ ሕቶታት ክሓተኩም እዩ፦ ስምኩም፡ ዕለተ ልደትኩምን ቦታ ልደትኩምን፡ ክትርከቡሉ እትኽእሉ ኣድራሻኹም ወዘተ።
  • ሓደ በዓል ስልጣን ናይ ቤት-ጽሕፈት ኤሚግረሽን፡ ክስእለኩምን ኣሰር ኣጻብዕትኹም ክወስድን እዩ
  • ብዛዕባ መንነትኩም መረጋገጺ ዝህቡ ዘበሉ ኵላቶም ሰነዳት ከተቕርቡ እውን ይግባእ።
  • ኣብ እዋን'ቲ ምዝገባ፡ ቤት-ጽሕፈት ኤሚግረሽን፡ ኣብ መስርሕ ጉዳይኩም ኣየናይ ቋንቋ ክጥቀም ከምዘለዎ ክውስን እዩ (ቋንቋ ፈረንሳ ወይ ዳች)

ቦታ መቐበሊ ኣጋይሽ 

ነቲ ኣብቲ ማእከል መጻእቲ ዝግበር ምዝገባ ስዒቡ፡ Fedasil ናብቲ መቐበሊ ክትኣትዉ ቅቡላት ምዃንኩምን ዘይምዃንኩምን ንምፍላጥ ከረጋግጽ እዩ። 

እንተኾነ ግን ድሮ ኣብ ካልእ ኣባል ሃገር ሕብረት ኤውሮጳ ሓለዋ/ዑቕባ እንተተዋሂብኩም፡ ናይ ምቕባል መሰልኩም ድሩት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ መቐበሊ ቦታ ንኽትኣትዉ መሰል እንተድኣ ረኺብኩም፡ መርመራ ናይ ዕቝባ መመልከቲኹም እናተኻየደ እንከሎ፡ ትካል Fedassil፡ ኣብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ቦታ ክህበኩም እዩ።