ጥርናፈ ስድራቤት

ንስኻ/ኺ ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ተዋሂቡካ ኣሎ ወይ ተወሳኺ ሓለዋ ተዋሂቡካ ኣሎ - ከም ከምኡ ድማ ስድራቤትካ ናብ ቤልጂዩም ክመጹ ደሊኻ ኣለኻ። እዚ ይክኣል እዩ፣ ግን ብዙሓት ጽኑዓት ሕግታት ኣለዉ። ቅድሚ ናይ ጥርናፈ ስድራቤት መመልከቲ ምእታውካ፡ ሕጋዊ ምኽሪ ሕተት።

ኣየኖት ኣባላት ስድራቤት ክመጹ ይክእሉ፧

ብመንገዲ ጥርናፈ ስድራቤት፡ እዞም ዝስዕቡ ኣባላት ስድራቤት ኣብ በልጅም ናይ ምንባር መሰል ክረኽቡ ይኽእሉ፥

  • ናትካ/ኪ በዓልቲ ቤት/በዓል ቤት ወይ ብሕጊ ዝተመዝገበ መጻምዲ/ድቲ
  • ትሕቲ-ዕድመ ዝዀነ ህጻንኩም
  • ስንክልና ዘለዎ እኹል (ዓቢ) ውላድኩም።
  • ወለድኻ/ኺ እንተድኣ ዘሰኒ ዘይብሉ ትሕቲ ዕድመ ኮይንካ

ቅድመ-ኲነታት ንጥርናፈ ስድራቤት

ቅድሚ ስድራቤትካ ናብ በልጅም ምምጽኦም፡ ብዙሕ ቅድመ-ኲነታት ክማልኡ ኣለዎም። ካብ በልጅምን ካብ መበቆል ሃገርኩምን ሰነዳት ክትሓቱ ኣለኩም፡ ከምዝትርጎሙ ድማ ግበርዎም። ካምኣቶም እቶም ቀንዲ ኣገደስቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥

  • ሰነዳት ጉዕዞ
  • ናይ ትውልዲ ምስክር ወረቐት
  • ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት
  • ጽማቚ ገበናዊ መዝገብ
  • ሕክምናዊ ምስክር ወረቓቕቲ

እቲ ንጥርናፈ ስድራቤት ዝኸውን ሕጋዊ ኣካይዳ ክቡር ዋጋ ዘኽፍል እዩ! ከመይ ጌርኩም ሰነድ ክትረኽቡ ከምእትኽእሉ ዘይትፈልጡ እንተዄንኩም፡ ካብ ክኢላ ስነ-ሕጊ/ጠበቓ ምኽሪ ሕተቱ።

ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ድሕሪ ምርካብኩም ወይ ኣብ ሳልሳይ ኣካል ዝምርኮስ ዕቝባ ምስጸደቐልኩም፡ ንጥርናፈ/ዳግመ-ምርኻብ ስድራቤት ብዝምልከት፡ ኣብ ውሽጢ እታ ቀዳመይቲ ዓመት መመልከቲ ኣቕርቡ። ድሕሪ 1 ዓመት፡ ተወሳኺ ቅድመ-ኲነታት ክተማልኡ ኣለኩም፥

  • እኹል መንበሪ ንስድራቤትኩም
  • እኹል ምንጪ ቀለብ (ደሞዝ)
  • መድሕን ጥዕና

ሕጋዊ መስርሕ

እቲ ሕጋዊ ኣካይዳ ካብ 9 ክሳብ 15 ኣዋርሕ ይወስድ። ንሕጋዊ ጥርናፈ ካብ ወጻኢ ወይ ካብ በልጅም ክተመልክቱ ትኽእሉ።

  • ኣብ ወጻኢ ሃገር ኴንኩም ሕቶ ንኸተቕርቡ፡
    ንመመልከቲኹም ናብ ኤምባሲ ቤልጂዩምከተቕርቡ የድልየኩም። ቤት-ጽሕፈት ኤሚግሬሽን ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ቪዛ ክረኽቡ ዝኽእሉ ምዃኖምን ዘይምዃኖም ውሳኔ ክህብ እዩ። ቪዛ ብምሓዝ፡ ስድራቤትኩም ናብ በልጅም ክጎዓዙ ይኽእሉ። ብኽብረትኩም ኣስተውዕሉ፥ እቲ ቪዛ ምርካብ ማለት ናይ ጥርናፈ ስድራቤት መመልከቲኹም ቅቡል ኮይኑ ኣሎ ማለት ኣይኮነን!
  • ኣብ ቤልጂዩም ኴንኩም ሕቶ ንኸተቕርቡ፡
    ማለት፡ ኣባላት ስድራ-ቤትኩም ኣብ ቤልጂዩም ምስዝህልዉ፡ ንመመልከቲኹ ኣብ`ቲ ዝተመዝገብኩሙሉ ምምሕዳር ከተማ ክተቕርብዎ የድልየኩም። እቲ ምምሕዳር ከተማ ንመመልከቲኹም ናብቲ Immigration Office (ቤት-ጽሕፈት ኤሚግረሽን) ክሰዶ እዩ። እቲ Immigration Office (ቤት-ጽሕፈት ኤሚግረሽን) ውሳነ ክህብ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ሓገዝ ትደልዩ ዲኹም፧

ቅድሚ ነቲ ናይ ጥርናፈ ስድራቤት ሕጋዊ ኣካይዳ ምጅማርኩም ካብ ጠበቓ ሕጋዊ ምኽሪ ሕተቱ።