ብኽራይ እትቕመጥዎ ገዛ ርኸቡ

ከም ዕቑባት ስደተኛታት፡ ተቐባልነት ምስረኸብኩም፡ ናትኩም መንበሪ ገዛ ንኽትረኽቡ ናይ 2 ኣዋርሕ ግዜ ኣለኩም። ድሕሪ እዚ ግዜ እዚ ምውድኡ፡ ካብ ማእከል ምቕባል ኣጋይሽ ወይ ካብ መንበሪ ገዛ ናይ CPAS/OCMWንኽትወጹ ክትግደዱ ኢኹም።

እዚ ናይ 2 ኣዋርሕ ግዜ ክሳብ ዝውዳእ ገዛ ምስዘይትረኽቡ፡ ትካል ፌዳሲል ነዚ እዋን እዚ ካብ 4 ኣዋርሕ ንዘይበዝሕ ግዜ ከናውሓልኩም ይኽእል እዩ

ንሰነዳትኩም ብጽፈት ሓዝዎም

ናይ ገዛእ-ርእስኹም መንበሪ ቦታ ከተናድዩ ቅድሚ ምጅማርኩም፡ ሰነዳትኩም ብጽፈት ተታሒዞም ምህላዎም ኣረጋግጹ።

እዞም ሰነዳት እዚኣቶም ውዕል ክራይ ገዛ ንኸተጻፍፉ፡ ከድልዩኹም እዮም።

ንኽራይ ገዛ ክንደይ ዝመጠኑ ገንዘብ ከተውጽኡ እኽእሉ? 

  • ሓደ-ሲሶ ናይ ኣታዊና ጥራይ ኣብ ክራይ ገዛ ከነውዕሎ ከምዝግባእ ኢና እንመክር። ልዕሊ ፍርቂ ናይ ኣታዊና ኣብ ክራይ ገዛ ኣይነውዕሎ!

መንበሪ ገዛ ርኸቡ

መንበሪ ገዛ ሃሰው ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም

  •  ኣብ ናይ ውልቀ-ሰባት ዕዳጋ፦ ብመገዲ ትካል ድለላን መሸጣ ኣባይትን ወይ ብመገዲ ፈተውቲ ይኹኑ ፈለጥትኹም ወይ ኣብ ምርካብ ገዛ ብዝተሓጋገዙ ወለንተኛታት ኣቢልኩም።
  • ኣብ ማሕበራዊ ዕዳጋ፦ ማሕበራዊ ቤት-ጽሕፈት ክራይ ኣባይቲ (SVK/AIS) ወይ ኵባንያ ማሕበራውያን መንበሪ ኣባይቲ (SHM/SLS)፡ ብዛዕባ መንበሪ ኣባይቲ ዝመጸ ንዝተጸገማ ስድራ-ቤታት መንበሪ ኣባይቲ ይህቡ።

ነቲ ቦታ ንኽንርእዮ ቈጸራ ንሓዝ

  • እቲ እትካረይዎ ገዛ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከምዘሎ ኣረጋግጹ። እኹል ቦታ ዶ ኣለዎ እዩ? ቀጸላ ምክልኻል ራህዲ/ኦሞዲታ ኣለዎ ዶ? ብግቡእ ዝሰርሕ መስመራት ማይ፡ መሞቑ ገዛን ኤሌትሪክን ኣለዎ ዶ? እቲ እትነብሩሉ ገዛ ንስድራ-ቤትኩም ውሕስነት ዝህብ ድዩ?

ውዕል ክራይ ገዛ ነጻፍፍ

  • ንስኹም (ከም ተኻረይቲ)ን ኣካራዪኹምን ኣብ ውዕል ክራይ ገዛ ክታምኩም ከተንብሩ ይግባእ።
  • ኣካራዪ ከም ትሕጃ ናይ ክራይ ካብ ተኻራዪ፡ ክንዲ ናይ ሓደ ወርሒ ክራይ ገዛ ዝመጠኑ ተወሳኺ ይሓትት እዩ። ዝኽፈል መጠን ገንዘብ ናይ ውሕስነት፡ ካብ ናይ 1 ወርሒ ክሳብ ናይ 3 ኣዋርሕ መጠን ክራይ ገዛ ይፈላለ። ትካል CPAS/OCMW ነዚ ትሕጃዊ ክፍሊት ናይ ክራይ ገዛ ንኸሕልፈልኩም ክትሓትዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ገንዘብ እዚ ግን ድሒርኩም ክትከፍልዎ ክትግደዱ ኢኹም።