እቲ ምምሕዳር ከተማ

ምምሕዳር ከተማ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ኣለዎ፥ ምውዳብ ኣብያተ-ትምህርትን መውዓሊ ቆልዑን፡ ምህናጽ ጽርግያታት፡ ምዕቃብ መናፈሻታት፡ ምእካብ ጓሓፍ... ምምሕዳር ከተማ፡ ትካል CPAS/OCMW ከምኡ'ውን ፖሊስ ብሓባር ከባብያዊ ምምሕዳር የቝሙ።

ከም ተቐማጦ በልጅም መጠን፡ ኣብቲ ትነብርሉ ከተማ ወይ ምምሕዳር ከተማ ተመዝጊብኩም ኣለኹም።

ሓላፍነታት ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ወይ ከተማ

እቲ ምምሕዳር ከተማ ወይ ከተማ ዝተፈላለየ ሓላፍነታት ንተቐማጦኡ ኣለዎ። ካምኣቶም እቶም ቀንዲ ኣገደስቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥

  • ምውዳብ ኣብያተ-ትምህርትን መውዓሊ ቆልዑን
  • ምቕራብ ማሕበራዊ ደገፍ ንተቐማጦ(CPAS/OCMW)
  • ምህናጽ ጽርግያታት
  • ማእካብ ጎሓፍ
  • ምእካብ ግብርታት ምምሕዳር ከተማcollecting municipal taxes
  • ምውሓስ ጸጥታ (ፖሊስ)
  • ንተቐማጦ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ምምዝጋብ
  • ፍቓድ መዘወሪ መኪናን መንበሪ ፍቓድን ምውጻእ
  • ምፍጻም መርዓታት
  • ምምዝጋብ ልደት
  • ኣብያተ-ንባብን ናይ ስፖርት ትሕተ-ቕርጽን ምቕራብ
  • ምዕቃብ መናፈሻታትን ጫካታትን
     

ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ

ነፍስ ወከፍ ምምሕዳር ከተማ ወይ ከተማ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ወይ ኣዳራሽ ከተማ ኣለዎ። እቲ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማእከል ናይቲ ምምሕዳር ከታማ ተዶኪኑ ይርከብ። ኣብቲ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ሰደቓ ናይቲ ቤት-ጽሕፈት ሲቪላዊ ጒዳያት ኣሎ ኣብኡ ንስኹም ሰነዳት መንበሪ ፍቓድ ናይ በልጅም ክትሓቱ ትኽእሉ፥ ሰነዳት መንበሪ፡ ምዝገባ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ፡ ምቕያር ኣድራሻ፡ ምስክር ወረቐት ልደት፡ ፍቓድ መዘወሪ መኪና፡ ወዘተ።

ናብቲ ቤት-ጽሕፈት ሲቪላዊ ጒዳያት ክትበጽሑ ትደልዩ፡ ግን ከኣ ጽቡቕ ገይርኩም ቋንቋ ሆላንድ ወይ ፈረንሳ ዘይትዛረቡ ዲኹም፧ ክትርጉመልኩም ዝኽእል ኣባል ስድራቤት ዝኾነ እኹል ሰብ ወይ ዓርኪ ተማልኡ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ሓገዝ ትደልዩ ዲኹም፧

ብዛዕባ ሰነድ ወይ ኣብ በልጅም ምጽናሕኩም ሕቶ ኣለኩም ድዩ፧

  • ኣብቲ ትነብርሉ ናብ ዘሎ ቤት-ጽሕፈት ሲቪላዊ ጒዳያት ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ብጽሑ ወይ ምስኡ ቆጸራ ሓዙ።
  • ነፍስ ወከፍ ምምሕዳር ከተማ ወይ ከተማ ልሙድ ሓበሬታ ዝሓዘ ናይ ገዛኣ ርእሱ መርበብ ሓበሬታ ኣለዎ (ቊጽርታት ተሌፎን፡ ሰዓታት ስራሕ)።