ሞያዊ ስልጠና ንዓበይቲ

ሞያዊ ስልጠና እንተተኸታቲልኩም፡ (ሓድሽ) ሞያ ክትምሃሩ ኢኹም። ንኣብነት፡ ተሓጋጋዚ ከሻናይ፡ ነዳቓይ ወይ ኣጽራዪ ንምዃን ዘኽእሉ መሰረታውያን ክእለታት ክትምሃሩ ኢኹም።

ብቕልጡፍ ሞያ ምምሃር

ኮርሳት ሞያዊ ስልጠና ናይ 6 ኣዋርሕ ክሳብ 1 ኦኣመት ሰርትፍኬት ወይ ዲፕሎማ ከምትሕዙ ይገብር ምእንቲ ኣስራሕቲ ነቶም ክእለታት ከምዝተምሃርክሞም ክፈልጡ። ብሓፈሳ ኣብ እዋን እቲ ምስልጣን ኣብ ሓደ ኩባንያ ስልጠና ትከታተሉ። ኣብ እዋን'ቲ ስልጠና፡ ነቲ ሞያ ኣብ ናይ ስራህ ባይታ ክትምሃርዎ ኢኹም። ከምኡ'አን ነቲ ኣስራሒ ክትፈልጥዎን ንሱ እውን ክፈልጠኩምን ዕድል ይህብ። ከም ውጽኢቱ፡ ሓደ ኣስራሒ ስራሕ ክህበኩም ዝሓሸ ዕድል ኣሎ።

ምምዝጋብ ንሞያዊ ስልጠና

ካብ`ታ ንኽትሰርሑ ፍቓድ ዝረኸብኩሙላ እዋን ኣትሒዝኩም፡ ስነ-ኪነታዊ/ሞያዊ ስልጠና ንኽትወስዱ ክትምዝገቡ ትእኽሉ ኢኹም፦

ብዛዕባ'ዚ፡ ነዚ ዝስዕብ ርኸብዎ፥

  • VDAB ፍላንደርስን ብራስለስን - ንስልጠናታት ተዛረብቲ ቋንቋ ዳች
  • Bruxelles Formation (ብራስለስ)
  • Forem (ብራስለስን ዋሎኒያን) - ንስልጠናታት ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኮርሳት ስልጠና

ብዙሓት ዓይነታት ሞያዊ ስልጠና ኣለዉ፥ ስራሓት ዕንጸይትን ህንጻን፡ ሓጺን፡ ኮምፕዩተር ሳይንስ፡ ሆቴላትን እንግዶትን፡ ምግቢ፡ መጓዓዝያ፡ ክንክን ጥዕና፡ ጽሬት፡ ወዘተ።

ወጻኢታት ናይቲ ስልጠና

እቲ VDAB ከምኡ'ውን Forem ኣብ እዋን'ቲ ሞያዊ ስልጠና ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታት ይሽፍኑ። ከም ኣመልከትቲ ናይ ዓለም-ለኻዊ ዕቝባ ወይ ከም ዕቑባት ስደተኛታት ተቐባልነት ዝረኸቡ ሰባትከም ምዃንኩም መጠን፡ ናይ ስልጠና ክፍሊታት ክትፍጽሙ ይግባእ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ሓገዝ ትደልዩ ዲኹም፧

ናይ ሞያዊ ስልጠና ኮርስ ክትከታተሉ ትደልዩ'ዶ፧

  • ንናትኩም ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ወይ ኣብቲ VDAB, Forem ወይ Bruxelles Formation ዘለዉ ኣድራስዕም ዘለኩም ሰባት ሕተትዎም።
  • ኣብ ነፍስ ወከፍ ከተማ፡ ቤት-ጽሕፈት ናይ VDAB ወይ Forem ክትረኽቡ ኢኹም፡ ኣብኡ ንስኹም ቆጸራ ክትህዙ ትኽእሉ።