ኣብ መዕበያዊት ስድራ-ቤት ምጽጋዕ

መሰነይታ ከም ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት መጠን፡ ከም ልሙድ፡ ኣብ ንእሽቶይ ጕጅለ ናይ ናኣሽቱ መዛኑኹም ተጠርኒፍኩም ወይ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ኢኹም እትነብሩ። ምናልባሽ ግን ድሮ ኣብ ቤልጅዩም ክትነብር ምስ ዝጸንሐት ስድራ-ቤት ወይ ምስ ፈለጥትኹም ድዩስ ምስ ቤልጅዩማዊት ስድራ-ቤት ክትቅመጡ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ 'ኣብ መዕበያዊት ስድራ-ቤት ምጽጋዕ' ይበሃል።

እንዳ ስድራ፡ እቲ ዝበለጸ ህጻናት ክዓብዩሉ ዝግባእ ቦታ እዩ። መሰነይታ ከም ዘይብሉ ትሕቲ ዕድመ መንእሰይ መጠን፡ ኣብ መዕበያዊት ስድራ-ቤት ንኽትጽጋዕ ሕቶ ከተቕርብ እውን መሰል ኣለካ።

መዕበያዊት ስድራ-ቤት፡ ብግዚያውነት እተዕቍበካ ወይ እተጸግዓካ ስድራ-ቤት እያ። ይኹን'ምበር፡ መዕበያዊት ስድራ-ቤት ምሳኻ ድሮ ምትእሳስር ዝጸንሓ ስድራ-ቤት እውን ክትከውን ዝከኣል እዩ፤ ንኣብነት ድሮ ኣብ ቤልጂዩም ክነብሩ ዝጸንሑ እንዳ ሓትኖኻ/ኣሞኻ፡ ኣኮኻ/ሓወቦኻ፡ ሓውኻ።

ኣብ ክንዲ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ፡ ምስ ስድራ-ቤት ወይ ምስ ገለ ሰብ ንኽትቅመጥ ድልየት ምስዝህልወካ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ንሕጋዊ/ት መጕዚትካ ወይ ንተቘጻጻሪኻ ሓብር ኢኻ። 

እትቕመጠሉ ውሑስ ዝዀነ ቦታ ንኽትረክብ ክሕግዙኻ እዮም። ንዓኻ እትኸውን መዕበያዊት ስድራ-ቤት ምድላይ ቀሊል ጉዳይ ስለዘይኰነ፡ ኣብ ገሊኡ ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።

ምስ መዕበያዊት ስድራ-ቤት ተጸጊዕካ እተሕልፎ ህይወት ከመይ ይመስል?

  • ምስ ሓደ ሰብ ወይ ምስ ስድራ-ቤት ምንባር ማለት እዩ
  • ከም ናይ መዕበያ ወለዲ መጠን ሓላፍነት ይወስዱልካ፡ ብዛዕባ ዘጋጥመካ ዘበለ ጸገም ክትሕብሮም ትኽእል ኢኻ።
  • ናብ ቤት-ትምህርቲ ትመላለስን ቋንቋ ተጽንዕን።
  • ኣብ ንጥፈታት ናይ መዕበያዊት ስድራ-ቤትካ ትተሓጋገዝን ፈተውቲ ወይ ዓርከ-መሓዛ ተጥሪን።
  • ሕጋዊ/ት መጕዚትካ ይ(ት)በጽሓካ።

ደሃይ ባዮሎጂካዊት ስድራ-ቤትካ ምርካብ

ምስ መዕበያዊት ስድራ-ቤት ብግዚያውነት መልክዕ ትቕመጥ እኳ እንተሃለኻ፡ ምስ ባዮሎጂካውያን ወለድኻ ንዝጸንሓካ ርክብ ክትበትኮ ኣለካ ማለት ኣይኰነን። ምስ መዕበያዊት ስድራ-ቤት እናተቐመጥካ ምስ ወለድኻ ንዝጸንሓካ ርክብ ክትቅጽሎ ትኽእል ኢኻ።

ወለድኻ ይኹኑ ካልኦት ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣበይ ከምዘለዉ ዘይትፈልጥን ደሃዮም ክትረክብ እትደልን እንተ ደኣ ኴንካ፡ ደሃይ ወለድኻ ወይ ካልኦት ኣባላት ስድራ-ቤትካ ንኽትረክብ ብመዕበያዊት ስድራ-ቤትካ ወይ ሕጋዊ/ት መጕዚትካ ክትሕገዝ ኢኻ።