ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዝወሃብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲታት

ቆልዑ ነቲ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዝወሃብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲታት ክከታተሉ ይኽእሉ። ኣብ እዋን ትምህርታት፡ ቆልዑ ብዛዕባ ሃይማኖት፡ ባህልታትን ክብርታትን መግለጺ ይውሃቦም እዩ።

ኣኽብሮት

ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ክልቲአን እተን ወግዓዊ ኣብያተ-ትምህርትን ናይ ግሊ ኣብያተ-ትምህርትን፡ ናይ ካልኦት እምነታትን ባህልታትን ንከኽብሩ ንቖልዑ ይምህርኦም። ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ፡ ቆልዑኹም ንኽኣምኑ ኣይኮኑን ዝምሃሩ፡ እንታይ ድኣ ብዛዕባ ሃይማኖት፡ ባህልታትን ክብርታትን መግለጺታት ይውሃቦም። ናብ ቤት-ትምህርቲ ንክኸዱ ቆልዑ ኣብ ዝኾነ ሓደ ፍሉይ ሃይማኖት ምኣማን ኣየድልዮምን እዩ። ንሳቶም ዘይሃይማኖታውያን ክኾኑ እውን ናጻ እዮም።

ወግዓዊ ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ወግዓዊ (ናይ መንግስቲ) ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ቆልዑኹም ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ክከታተሉ ይኽእሉ እዮም። ንስቶም ኣብ መንጎ ትምህርታት ናይ ካቶሊክ፡ ኦርቶዶክስ፡ ከንሻ፡ ቤት-ኽስያን እንግዝ፡ ኣይሁዳውን እስላማውን ሃይማኖት፡ ወይ ትምህርቲ ስነ-ምግባር ክመርጹ ይኽእሉ።

ናይ ግሊ ኣብያተ-ትምህርቲ

ኣብ ናይ ግሊ ኣብያተ-ትምህርቲ እውን፡ ቆልዑ ሃይማኖት ይምሃሩ፡ ግን መምብዛሕትኡ ግዜ ኣየናይ ሃይማኖት ምዃኑ ክትመርጽ ኣይትኽእልን። መብዛሕትአን ኣብ በልጅም ዘለዋ ናይ ግሊ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ-ትምህርቲ እየን። ኣብዘን ኣብያተ-ትምህርቲ እዚአን ንምእታው ንስኹም ወይ ደቅኹም ነዚ ሃይማኖት'ዚ ዝኣምኑ ክትኮኑ ኣየድልየኩምን።