ኣብ ቤት-ማሕቡስ ወይ ቤት-ማእሰርቲ ንዘለዉ ሰባት ዝምልከት መስርሕ

ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ወይ ኣብ ቤት-ማሕቡስ ምስእትህልዉ እሞ ን ዓለም-ለኻዊ ዕቝባብዝምልከት መመልከቲ ከተቕርቡ ምስእትደልዩ፡ ንሓላፊ ቤት-ማእሰርቲ ወይ ቤት-ማሕቡስ ክትረኽዎ ከድልየኩም እዩ።

እዚ ሓላፊ ቤት-ማእሰርቲ ወይ ቤት-ማሕቡስ ናይ ዕቝባ መመልከቲ ንኸተቕርቡ ዘድሊ ዘበለ ሓበሬታ ክህበኩም እዩ። ካብ ክኢላ ስነ-ሕጊ/ጠበቓ ከምኡ`ውን ናብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ወይ ኣብያተ-ማሕቡስ ካብ ዝበጽሓ ውድባት እውን ሓገዝ ክትሓቱ ትእኽሉ ኢኹም።