ኣብ መቐበሊ ቦታ ዘለኩም መሰላትን ግዴታታትን
ኣቀባብላ ማለት ሰብ መዚ ኣህጉራዊ ሓለዋ ንምርካብ ዘቕረብካዮ መመልከቲ ንክምርምሩ ኣብ እትጽበየሉ እዋን እትረኽቦ ደገፍ እዩ።
ኣብዛ ብሮሹር ወረቐት ተገሊጹ ዘሎ ናይ ምቕባል መሰላትን ግዴታታትን የጠቓልል።
እዚ ሓበሬታ ንዓኻ ይምልከት፣ እንተደኣ፡
- ዓብዪ ሰብ እንተኴንካ (ልዕሊ 18 ዓመት)
- ንኣህጉራዊ ሓለዋ (ዕቚባ እውን ይበሃል) ኣብ በልጅየም ኣመልኪትካ ኢኻ፣ ሕጂ ድማ ኣመልካቲ ኣህጉራዊ ሓለዋ ኢኻ ዘለኻ።
ብዘይመሰነይታ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝኸውን ብሮሹር እውን ኣሎ።
እዚ ሓበሬታ ንዓኻ ይምልከት፣ እንድሕር ደኣ፡
- ትሕቲ 18 ዓመት ኮይንካ
- ብዘይ ወለድኻ በይንኻ ወይ ምስ ካልኦት ኣባላት ስድራቤት መጺእካ እንተኾይንካ
- ንስኻ ኣብ በልጅየም ንዑቕባ (ኣህጉራዊ ሓለዋ እውን ይበሃል) ኣመልኪትካ።
