ኢንተርነት፡ ዋይ-ፋይ፡ ከምኡ`ውን ጻውዒታት ተሌፎን

ተሌፎን ንኽትድውሉ ኰነ ብተሌፎንኩም ኢንተርነት ንኽትጥቀሙ፡ ሲም-ካርድ ከድልየኩም እዩ። ኣብ ዝበዝሕ ክፋል ናይ ቤልጅዩም ናጻ ዕድል ተጠቃምነት ናይ ዋይ-ፋይ ኣሎ።

ሲም-ካርድ

ሲም-ካርድ ካበይ ክዕድግ እኽእል?

ኣብ መርበብ ሓበሬታ ማለት ኢንተርነት ብምእታው፡ ከምኡ`ውን ኣብ ፍሉይ ቤት-መሸጣ ድዩስ ኣብ ሱፐርማርኬት ናይ ቤልጂዩም ብምእታው ሲም-ካርድ ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። ጻውዒታት ተሌፎን ንምግባርን ኢንተርነት ንምጥቃምን፡ ኣብ መንጎ ናይ ምዝገባ (ድሕረ-ክፍሊት) ወይ ሲምካርድ (ቅድመ-ክፍሊት) ክትጥቀሙ ትኽእሉ። ብምዝገባ ኣብ ዝሰርሕ ዓይነት ሲም-ካርድ፡ ሕሳብኩም ወርሓዊ ኢኹም ትኸፍሉ። ኣባልነትኩም ክሳብ ዘየሰረዝኩም ድማ ብቐጥታ ባዕሉ ክሕደስ እዩ።

እተን ኣብ ቤልጂዩም ኣገልግሎት ቴሌኮሙኒኬሽን ዝህባ ቀንዲ ትካላት በይዝ፡ ስካርለት፡ ቴሌኔት፡ ሊካሞባይል፡ ኦሬንጅ ወዘተ እየን።

ኣብ ቤልጂዩም ሲም-ካርድ እንተዓዲግኩም፡ ማለት ብቐጥታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብምእታው ድዩስ ካብ ቤት-መሸጣ፡ ዝምልከቶ ወሃቢ ኣገልግሎት ቴሌኮሙኒኬሽን ሲም-ካርድኹም ንኸተመዝግቡን መንነትኩም ዘረጋግጽ ሰነድ ንኸተቕርቡሉን ክሓተኩም እዩ። መንነትኩም ንምርግጋጽ ብቑዕ ሰነድ መንነት የድልየኩም፡ ንኣብነት ናይ ምዝገባ ካርድ (ኣራንሾኒ ካርድ)።  

ናጻ ኣገልግሎት ዋይ-ፋይ ኣበይ ክረክብ እኽእል?

ኣብ ናይ መጀመርታ መቐበሊ መጻእተኛታትን ኣብ ዝበዝሑ ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽን፡ ናጻ ሆትስፖት ናይ ዋይ-ፋይ ኣሎ። ኣብ ማእከላት መቐበሊ ኣጋይሽ፡ ብኮምፕዩተራት ዝሰርሑ ካፈታት ናይ ኢንተርነት እውን ይርከቡ እዮም።

ኣብ ዝበዝሑ ህዝባውያን ቦታታት ናይ ቤልጂዩም (ኣብያተ-ንባብ፡ ባራት፡ ቤት-ሻሂታትን ድኳናትን)፡ ብናጻ ክትጥቀሙሎም እትኽእሉ መስመራት ዋይ-ፋይ ኣለዉ።

ከም ልሙድ፡ ኣብ`ቲ እትኣትውዎ ክፍሊ ዝተለጠፈ ኮድ ተጠቒምኩም ኢኹም እትኣትዉ።

ናጻ መስመር ዋይ-ፋይ

መስመር ኢንተርነት ኣብ ቤትኩም

ኣብ ቤትኩም ገመድ-ኣልቦ መስመር ኢንተርነት ምስዝህልወኩም፡ ኣብ ቤትኩም ዋይ-ፋይ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ናይ ዋይ-ፋይ መስመር እዚ ኣብ ላፕቶፕ፡ ኣብ ዓባይ ኮምፕዩተር ድዩስ ስማርት ኣብ ዝዓሌታ ተሌፎን ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኩም።

መስመር ኢንተርነት ምእታው ብዙሕ ገንዘብ እዩ ዝውድእ። 

ነቲ ኣገልግሎት ዝህበኩም ትካል ናይ መጋጣጠሚ/መዋደዲ ክፍሊት ምስሃብኩሞ፡ ወርሓዊ ድማ ቀዋሚ መጠን ገንዘብ ትኸፍሉ።