ምርካብ ዜግነት ቤልጂዩም

ናይ ወጻኢ ዜጋታት፡ ኣብ በልጅም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ሒዞም ን 5 ዓመታት ድሕሪ ምቕማጦም ጥራይ እዮም ናይ ቤልጂዩም ዜግነት ንምርካብ ከመልክቱ ዝኽእሉ። ክማልኡ ዘለዎም ብዙሓት ቅድመ-ኩነታት ኣለዉ።

ደቆም ንበልጅማዊ ወለዲ ብቐጥታ ናይ በልጅም ዜግነት ይረኽቡ። ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ውሱናት ኲነታት ንበልጅማዊ ዜግነት ከመልክቱ ይክእሉ።

 ቤልጂዩማዊ ዜግነት ንምርካብ መመልከቲ መዓስ ክተእትዉ ትኽእሉ፧

  • ብውሕዱ ን5 ዓመታት ብሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ በልጅም ነባሪ ኮይንካ እንተጸኒሕካ
  • ንዘይተወሰነ እዋን ክትቅመጥመሰል እንተለካ
  • ንስኻ/ኺ ኣብ በልጅም እንተተጸንቢርካ ንኣብነት፡ ንስኻ/ኺ ናይ ጽንባረ ምስክር ወረቐት እንተልይኩም።
  • ን1 ካብቶም 3 ሃገራዊ ቋንቅታት ክትዛረብን ክትጽሕፍን ትኽእል እንተኾይንካ
  • ድሮ እንተውሓደ 468 መዓልታት ሰሪሕካ እንተሊኻ/ኺ

ንገለ ዜጋታት ሃገራት ወጻኢ ዝምልከቱ ገለ ቅድመ-ኲነታት ኣለዉ፦ ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት፡ ምስ ቤልጂዩማውያን መጻምድቲ ዝተመርዓዉ ወጻእተኛታት፡ ወለዲ ናይ ቤልጂዩማውያን ትሕቲ-ዕድመ መንእሰያት ወይ ህጻናት፡ ሃገር-ኣልቦ ሰባት፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ወይ ዝሓመሙ ሰባት። 

ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ምምሕዳር ከተማ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ንበልጅማዊ ዜግነት ብኸመይ ክተመልክቱ ትኽእሉ፧

  • ንመመልከቲኹም ኣብ`ቲ ተመዝጊብኩሙሉ ዘለኹም ምምሕዳር ከተማ ክተረክብዎ ከድልየኩም እዩ።
  • እቲ ናይ ምምሕዳር ከተማ በዓል ስልጣን ምስቲ Immigration Office (ቤት-ጽሕፈት ኤሚግረሽን)፡ እቲ ቤት-ጽሕፈት ህዝባዊ ኣኽባር ሕጊ ከምኡ'ውን እቲ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ብምምኽኻር ንመመልከቲኹም ክምርምሮ እዩ።
  • እቲ ቤት-ጽሕፈት ህዝባዊ ኣኽባር ሕጊ ብዛዕባ መመልከቲኹም (ኣብ ውሽጢ 4 ኣዋርሕ) ውሳነ ክህብን ነቲ ናይ ምምሕዳር ከተማ በዓል ስልጣን ክሕብሮን እዩ።
  • እቲ ውሳነ ኣሉታዊ እንተኾይኑ፡ ናብቲ Court of First Instance (ቤት-ፍርዲ ቀዳማይ ጒዳይ) ይግባይ ክትብሉ ትኽእሉ።