መግብን መንበሪ ቦታን

ሓተትቲ ዕቝባ፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ፡ ክምገቡ፡ ክተሓጻጸቡ ኰነ ክድቅሱ ይኽእሉ እዮም።

ዓራት

ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ናይ ገዛእ-ርእስኹም ዓራትን ንብረትኩም ክትዓጽዉላ እትኽእሉ ንእሽተይ ኣርማድዮን ኣለኩም።

ምስ ስድራ-ቤትኩም ዝመጻእኩም እንተዄንኩም፡ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ብሓባር ክትድቅሱ ኢኹም፤ ምሳኹም ኣብ`ታ ክፍሊ ዝጽጋዕ ጓና ሰብ ኣይክህሉን እዩ።

ንበይንኹም ዝመጻእኩም እንተዄንኩም፡ ከማኹም ምስ ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ኢኹም እትነብሩ። ደቂ-ተባዕትዮን ደቀ`ንስትዮን ዝድቅሱሎም ክፍልታት በበይኖም እዮም።

ክፍልታት ባኞን ዓይኒ-ምድርን

ኣብ መቐበሊ ቦታኹም፡ ክፍልታት ባኞን ዓይኒ-ምድርን እውን ኣለዉ። ክፍልታት ባኞን ዓይኒ-ምድርን ናይ ደቂ-ተባዕትዮን ደቀ`ንስትዮን በበይኖም እዮም።

ሰዓታት መግቢ

መዓልታዊ፡ ሰለስተ ናይ መግቢ እዋናት ኣለዉ። ኣብ ናይ መግቢ እዋናት፡ ክልተ ኣገባባት ምስሳይ ክህልዉ ይኽእሉ፦

  • ኣብ መቐበሊ ቦታኹም ሓደ ዓቢ ክሽነ ይህሉ እሞ፡ ናይ ነፍሲወከፍ ሰብ መግቢ ኣብኡ ይኽሸን። ድሕር`ዚ፡ እቲ ዝተዳለወ መግቢ፡ ኣብ ፍሉጥ/ቀዋሚ ሰዓት (ንጕሆ፡ ፍርቂ መዓልቲ፡ ምሸት) ኣብ ሓደ ዓቢ ክፍሊ ይእንገድ። ዝዀነ ዓይነት መግቢ ክበልዑ ዘይክእሉ ሰባት፡ ፍሉይ መግቢ ይወሃቦም።
  • ወይ ድማ ነኣሽቱ ክሽነታት ይህልዉ። ስለዚ፡ ነናትኩም መግቢ ትኽሽኑ። ካብ ቤት-መሸጣ/ድኳን ኣስፔዛ ናይ መግብኹም ንኽትገብሩ ትኬት ወይ ጥረ-ገንዘብ ይወሃበኩም።
ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ምሳሕ ምብላዕ።