ክዳውንትን ጽርየት ኣካላትን

ሓተትቲ ዕቝባ ክዳውንትን ናውቲ ጽርየትን (ሳሙና፡ መጽረዪ ስኒ ወዘተ) ይወሃቡ።

ክዳን

ናብ መቐበሊ ቦታ ምስመጻእኩም፡ ክዳውንትን ሳእንን ክትወሃቡ ኢኹም። እዞም ዝወሃቡኹም ክዳውንቲ፡ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ዘለዉ ደኣ`ምበር ሓደስቲ ክዀኑ ናይ ግድን ኣይኰነን። እዚ ማእከል እዚ ኣንሶላታትን ሽጎማኖን እውን ይህበኩም። ክዳውንትኹም ንኽትሓጽቡ ዕድል ኣለኩም።

ኣእዳው ምሕጻብ

ጽርየት ኣካላት

ዘድልዩኹም ንብረታት ይወሃቡኹም፦ ሳሙና፡ ሻምፖ፡ መመሸጥ፡ መማወጺ ስኒ፡ ቦማታ ጽርየት ስኒ፡ ዴዶራንት፡ ናይ ኣካላት ሎሽን፡ ናይ ዓይኑ-ምድሪ ወረቐት፡ መዕፈሪ ናይ መላጸን ላማን፡ መናዲል ንጽህና፡ ሞዴሳት፡ ኣጭርቕቲ ቈልዓን ንህጻናት ዘድልዩ ነገራትን። እዞም ንብረታት እዚኣቶም ኣብ ስሩዕ እዋን ይከፋፈሉ።

ኵላቶም ተቐማጢ ናይ መቐበሊ ቦታ ሕጋጋት ጽርየት ከኽብሩ ይግባእ፦

  • ዓይኒ-ምድሪ ድሕሪ ምጥቃምኩም፡ መግቢ ቅድሚ ምኽሻንኩም፡ እንስሳ ናይ ቤት ድሕሪ ምትንካፍኩም ድዩስ ብኣዳውኩም ዝዀነ ይኹን ንጥፈት ድሕሪ ምስልሳልኩም፡ ኣእዳውኩም ተሓጸቡ
  • ንፍሩታታትን ኣሕምልትን ቅድሚ ምምጋብኩም ብግቡእ ሕጸብዎም
  • ንመቀዳድሒታት ማይ ቅድሚ ምጥቃምኩም ሕጸብዎም