ቤልጅዩም 10 ኣውራጃታት ኣለዋ።

ቤልጅዩም ናብ ዓሰርተ 10 ኣውራጃታት ትኽፈል፡፡ ነፍስ-ወከፍ ኣውራጃ ርእሲ ኸተማ ኣለዋ። ብራስለስ ርእሲ ኸተማ ቤልጅዩም እያ።

በልጅዩም 10 ኣውራጃታት ኣለዋ

ሓንቲ ኣውራጃ እንታይ እያ እትገብር?

ከም ምዕልቕላቕ ማይ ወይ ዓብዪ ባርዕ ዝኣመሰለ ዕንወት እንተ ኣጋጢሙ እታ ኣውራጃ ኣብተንምምሕዳራትእዚ ኣውራጃ ተፈጻምነት ዘለዎ ውሳነ ተሕልፍ። እቲ ኣውራጃ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ዱርን ወሓይዝን ዕቁራት ተፈጥሮን እውን ብሓላፍነት ይከታተል እዩ። ርእሲ እታ ኣውራጃ ኣውራጃዊ ኣመሓዳሪ እዩ።

ሓደ ሰብ ኣበይ ከም እትነብር እንተ ሓቲቱካ መጀመርታ ነቲ ኣውራጃ ድሕሪኡ ኸኣ ነቲ ምምሕዳር ከተማ ወይ ከተማ ንገሮ። 

ኣብ በልጅዩም እተፈላለየ ምምሕዳራትን ከተማታትን እኳ እንተሎ ነፍሲ ወከፍ በልጅዩማዊ ግን ነተን 10 ኣውራጃታት እዩ ዝፈልጥ።