ድኳናት መኣስ እዮም ክፉታት?

ኣብ ቤልጂዩም መብዛሕትኦም ድኳናት ካብ 10 ቅ.ቀ ክሳብ 6 ድ.ቀ፡ ካብ ሰኑይ ክሳብ ቀዳም ክፉታት እዮም። ኣብ ግዜ ሰንበት ድኳናት ዕጹዋት እዮም።

ንኣገልግሎት ዝኽፈቱሎም ሰዓታት ንምፍታሽ

ናይ ኣስቤዛ ድኳናት

ኣስቤዛ ክትገዝእሎም ትኽእሉ ድኳናትን፡ ሱፐር ማርኬታትን (Aldi, Lidl, Colruyt, Delhaize, Carrefour, Spar) መብዛሕትኡ ግዜ ሰዓት 8.30ቅ.ቀ ይኽፈቱ ድሕሪ 6ድ.ቀ ድማ ይዕጸዉ። ዳርጋ ክሎም ድኳናት ኣብ ሰንበት ዕጹዋት እዮም።

ኣስቤዛ ካብቲ ናይ ከባቢ ዕዳጋ እውን ክትገዝኡ ትኽእሉ ኢኹም። መብዛሕትኦም ምምሕዳራት ከተማ ኣብ ሓደ ውሱን መዓልቲ ካብ ሰሙን ዕዳጋታት የዳልዉ እዮም። እቲ ናይ ዕዳጋ መዓልቲ ካብ ነፍስ ወከፍ ምምሕዳር ከተማን ከተማን ዝተፈላለየ እዩ።

ድኳናት ክዳውንቲ

ኣብ በልጅም መብዛሕትም ናይ ክዳውንቲ ድኳናት ካብ 10ቅ.ቀ ክሳብ 6ድ.ቀ፡ ሰኑይ ክሳብ ቀዳም ክፉታት እዮም። ኣብ ሰናብቲ ድኳናት ዕጹዋት እዮም።

ናይ ለይቲ ድኳናት

ኣብ ከተማታት፡ ዓበይቲ ገጠራት ወይ ኣብ ወሰን ዕሙር ጽርግያታት፡ ኣብ ለይቲ ጥራይ ክፉታት ዝኾኑ ድኳናት ኣለዉ። ናይ ለይቲ ድኳናት ኣልኮላዊ መስተ፡ ሽጋራ፡ ምግብን ገለ ንገዛ ዝኾኑ ፍርያትን ይሸጡ።

ኣብ ናይ ለይቲ ድኳናት ዘለዉ ፍርያት መብዛሕትኡ ግዜ ካብቶም ኣብ ቀትሪ ክፉታት ዝኾኑ ድኳናት ዘለዉ ዋግኦም ዝኸበረ እዩ።

ፋርማሲታት

መድሃኒታት ካብ ፋርማሲታት ጥራይ ኢኹም ክትገዝኡ ትኽእሉ። ፋርማሲታት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 10ቅ.ቀ ክሳብ 7ድ.ቀ ክፉታት እዮም፡ ኣብ ቀዳም ንግሆ ድማ ካብ 10ቅ.ቀ ክሳብ 12ድ.ቀ። ፋርማሲታት ኣብ ቀዳም ድሕሪ ቐትርን ኣብ ሰናብትን ዕጹዋት እዮም።

ብህጹጽ መድሃኒት ተድልየኩም እንተልዩን ካብ ዶክተር ፍቓድ እንተልይኩምን፡ ናብ ናይ መሓለውታ ፋርማሲ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም። 

እዚ ኣብ ነፍስ ወከፍ ዞባ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ለይትን ኣብ ሰናብትን ክፉት እዩ። ኣየነይቲ ፋርማሲ ከም መሓለውታ ወይ ተረኛ ከምዘላ ነቲ ዶክተር ሕተትዎ።