ንምምላስ ምድላው

ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝመረጹ ሰባት፡ ብሓገዝ ናይ ፌዳሲል ምድላዋት ናይ ጕዕዞኦም የካይዱ።

ናብ ናይ መበቆል ሃገርኩም ንኽትምለሱ ምስእትውስኑ፡ ትካል ፌዳሲል ምሳኹም ብምትሕብባር ንጕዕዞኹም ክውድቦ እዩ። ግዜ ንቕሎኹም እናተጸበኹም ኣብ ናይ ፌዳሲል ማእከል ክትጸንሑ ትኽእሉ ኢኹም።

ናብ ሓንቲ ሃገር ምምላስ፡ ኩሉ ሳዕ ዝተሓላለኸ መስርሕ እዩ ዘለዎ። ትካል ፌዳሲልን መሻርኽቱን ነቶም ካብ ምምላስ ዝዓግቱኹም ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ኣብ ጐድንኹም ክህልዉ እዮም።

ትካል ፌዳሲል ዘድልዩኹም ዘበሉ ሰነዳት መገሻ ንኽትረኽቡ ይተሓጋገዘኩም።

ከም ኵነታት ናይ`ታ እትኸድዋ ሃገር፡ ምስኣትኹም ዝግበረልኩም ተወሳኺ ሓገዝ ክህሉ ተኽእሎ ኣሎ።