ነቲ ጕዕዞ ምውዳብ

እዚ ጕዕዞ እዚ ብትካል ፌዳሲል ከምኡ`ውን ኣህጉራዊ ውድብ ናይ ስደተኛታትእዩ ዝውደብ።

እቲ ጕዕዞ ብነፋሪት ዝኽየድ ኰይኑ፡ ናብ ገለ ናይ ቤልጂዩም ቀረባ ዝዀና ሃገራት ምስዝኸውን ግን ብኣውቶቡስ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። ንዋጋ ናይ`ዚ ናይ ነፋሪት ወይ ናይ ኣውቶቡስ ትኬት ትካል ፌዳሲል እዩ ዝኸፍሎ።

ካብ ቤልጂዩም ምስወጻእኩም መንነትኩም ክፍለጥ ምእንቲ ክከኣል፡ ካብ ትካል IOM (ዓለም-ለኻዊ ውድብ ንስደተኛታት) ዝወሃበኩም ፌስታል ክትሕዙ ኢኹም። ሰራሕተኛ ናይ ትካል IOM ዝዀነ ሰብ ኣብ ማዕርፎ-ነፈርቲ (ወይ ኣብ መደበር ምውፋር ኣውቶቡሳት) ረኺቡ ትኬትኩም ከረክበኩምን ክሳብ ነቝጣ ሓለዋ ዶብ ከሰንየኩምን እዩ። እንትደሊኹም፡ ሰራሕተኛ ናይ ትካል IOM ዝዀነ ሰብ ናብ`ታ እትኸዱላ ሃገር ምስኣተኹም ክቕበለኩምን ከሰንየኩም ዝከኣል እዩ።

ከም ዝዀነ ይኹን ካልእ ገያሻይ ሕጊ ጽዕነት ከተኽብሩ ይግባእ፦ ብዝሒ ባልጃታትኩም ኰነ ክብደቶም ካብ`ቲ ሕጊ ዘፍቅዶ ክዛይድ ኣይግባእን።