ናይ ጁባ ገንዘብ

ደለይቲ ዕቚባ እንተድኣ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣብቲ መቐበሊ ማእከል ሓጊዞሞም፡ ገለ ገንዘብ ክኽፈሉ ይኽእሉ እዩ።

በልጅዩም ነቶም ዓለምለኻዊ ዕቝባ ንምርካብ ዘመልከቱ ኣመልከትቲ ገንዘባዊ ደገፍ ኣይትገብረሎምን እያ።

መንግስቲ በልጅየም   ናውታዊ ሓገዝ ን ፥ ኣብ ማእከል ወይ ኣብ ካልእ ቦታ መቐበሊ ቦታ እትረኽቦ ኣቀባብላ ጥራይ እዩ ዘቕርብ። ዝኾነ ገንዘብ ኣይክትቅበልን ኢኻ፣ ብጀካ ከም ዝደለካዮ እትጥቀመሉ ዉሑድ ናይ ጁባ ገንዘብ። እዚ ናይ ጁባ ገንዘብ እዚ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ እዩ ዚወሃብ ። ሓደ በጽሒ ዳርጋ 8 ዩሮ  ኣብ ሰሙን ይቕበል።

ኣብ ገሊኡ ማእከላት ተቐበልቲ፣ ነቶም ሰራሕተኛታት እቲ ማእከል እንተ ሓጊዝካዮም ቍሩብ ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኮሪደር ወይ መሕጸቢ ነብሲ ብምጽራይ፣ ክዳውንቲ ብምሕጻብ፣ መግቢ ብምቕራብ ወዘተ። ነዞም ንኣሽቱ ስራሕቲ እዚኣቶም ንምርካብ ብኸመይ ከም እተመልክት ንምፍላጥ

ንናይማሕበራዊ ሰራሕተኛኻ ሕተት።